Tuesday, April 7, 2020

ኣብያተ ማእሰርቲ መሳፍንትን ደርግ ኢሠፓን


ኣንጻር ደርግ ዝተገብረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ኣብያተ ማእሰርቲ መሳፍንትን ደርግ ኢሠፓን
ፍጥረት ሰብ ኣብታ ፅዒሩን ግዒሩን ንበረላ ዝተበሃላ መሬት ከንብርዎ ኣይከኣሉን። ብዓይነ ብርኩ መሬት ፈጊኡ ዘጥረዮ ካዕዎን ምዕሮን ከይቀረየ ቋፂርካ ኣምፃኣየን ዝብሉ ጐይቶት ተፈጢሮም።
ኣያታቱን ኣደታቱን ዓዃያት ተባሂሎም ተደፍኪኾም ኢዶም ንዘልመፁ መሳፍንቲ ኣብ ምግልጋል ዕድሚኦም በልዩ። ደቆም ደቂ ደቆም እውን ክሳብ ፅሕፍቶ ዝመስል በደል፣ ሓሳረ መከራ ወሪሶም። ንመሬት ክንገዝእ፡ ህዝቢ ንዓና ከገልግል፣ ካብ ላዕላይ ሰማይ ፈጣሪ ሓሪዩና፤ ንግስነት ቀቢኡና እዩ ኢሎም ርእሶም ኣብ ዘውዲ ዝደፈኡ ጐይቶት፡ ኣክሊል ዙፋኖም ናብ ደቂ ደቆም ዓፅሚ ቈፂሮም ኣሳጊሮም።
ገባር ደፋኢ ድንኩል እናተብሃለ ንርእሱ ካብ ትምህርቲ ቦዅሩ፤ ደቁ ጭራ ከፍቲ ዝወጡ ድሑራት ተባሂሎም። ክንዲ ዘገልገሎም፡ ሓሪሱን ምሒሱን ቆፋፉ ማይ ቤቶም ክንዲ ዝጠርፈፈ ብሓለንጊ እናተገረፈ ከም ኣቕሓ ክግተት በይኖሙሉ።
እዚ መነወሪ ተግባሪ' ኣብታ ቅድስቲ ዝብልዋ መሬት ኢትዮጵያ ንዘበናት ሓረግ ኰይኑ ዘሊቑ ግዜ ብግዜ እናተተከኣ፡ ዝደየበ ኣብታ ዘለዋ ተዀይጡ ኣይነብርን፤ ዝተፀቕጠ እውን ርእሱ ደፊኡ እናሰገደ ዕድሚኡ ኣይቘፅርን። ንኹሉ ወሰንን ደረትን ኣለዎ። ኣብ ምድሪ ኢትዮጵያ ኣብ ስሳታት ነቲ ካብ ዓፅሚ ናብ ዓፅሚ እናሰገረ ዝመፀ ሰንሰል ጉይትናን ግፍዕን፡ ይኣክል! ዝብል ምዕራፍ ቃልሲ ተወለዐ።
ማገብት፡ ጥጅእ ቃልሲ ተሓህት/ህወሓት
1966 . ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ብተምሃሮ ዝተወለዐ ዓመፅ ተጠቒሙ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ዝሓዘ ጉጅለ፡ ነቲ ኣንፃር መለኽቲ ዘቕነዐ በሊሕ ቃልሲ ከጉትም ወፈረ። እምበኣር ኣብዛ ህሞት እዚኣ እዮም ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብቑሊ ቃልሲ ዝጠጅኡ። ማገብት (ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ) ብሸሞንተ መናእሰይ ብሕቡእ ተመስሪቱ።
እዚ ዘይስሩዕ ውዳበ ነቲ ደሓር ነዊሕ ዝዓጓዝ ፅላል ህዝባዊ ቃልሲ ፈልሲ ኰይኑ ኣጀሚርዎ።ተምሃራይ ስረ ኣሕፂሩ፣ ሳእኒ መሊሱ፣ ገምባለ ዓጢቑ፣ ብረት ተሰኪሙ ንበረኻ ክወፍር ውዑይ ደሙ ገረረ። ደጊም ንዘበናት ሓያላት እናተቐባበሉ ኣብ ፃሕሊ እንግድዓ ህዝቢ ሸሸ ክብሉ ኣይንፈቅድን ተባህለ።
ኣመራርሓ ማገብት ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምውላዕ ዘኽእሎም ምስንዳኣት ንምውጋን፡ መቐላ ዕዮ ገይሮም ምንቅስቓስ ጀመሩ። ዝተወሰኑ ምስ ጀብሃን ህዝባዊ ግንባርን ርክብ ንምፍጣር ናብ ኤርትራ ከይዶም። ገሊኦም ድማ ኣብ ከተማታት ዝርከብ ህዝቢ ናብ ምውዳብ ወፈሩ።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተዳዕነነ ኣርዑት ወፅዓ ክወርድ እንድሕር ደኣ ኰይኑ፡ እቲ ቃልሲ ማእኸሉ ብሄራዊ ሕቶ ኣንፃር መስፍንነት፣ ሃፀያውያን፣ ቢሮክራሲያዊ ርእሰ ማልነት ከምዘድሊ ብዝግባእ ይዝተየሉ ምንባሩ ተፃሒፉ'ሎ።

ወኽኒቤት ዘመን መሳፍንትን ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግን

ወኽኒቤት እዛ ሃገር ከባብያዊ ግዝኣት መሰረት ጌሮም ከም ዝተጣየሹ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣኦም ይሕብር፣ ዝተጣየሻ ኣብያተ ማእሰርቲ ቅድሚ 1916 ዓ/ም ከም ዝኾነ የመላኸት፣ ኣብ መዝገብ ቃላት የወህኒ ኣምባ ማለት ቤተ ማእሰርቲ ኮይኑ ብኣብዝሓ ኣብ ወሰናወሰን ገደልን ኣብ ኣዝዮም ቆራር ከባብታት ቤጌምድር፣ ደብረዳሞ፣ ኣባሰላማ፣ መርሃቤቴ፣ ኣንኮበር፣ መቕደላ ወዘተ ብድሌት እቶም ገዛእትን በቢ ደረጅኡ ዝዝርከቡ ሓሻኽርን የካይድዎ ከምዝነበረ እምበር ብዝተወደበ መልክዑ ቤት ማእሰርቲ ነይሩ ምባል ኣይካኣልን፡፡

ኣብ ታኽሪ ኢትዮጵያ ወህኒ ቤት ሕጋዊ ሰብነት ሒዙ ንመጀመርያ ግዜ ብኣዋጅ ዝቖመ ብ1936 ዓ/ም ብቁፅሪ ኣዋጅ 45/1936 ዓ/ም ከምዝኾነ ታሪኻዊ ኣመፃፅእኡ ብግልፂ የቐምጥ፡፡ ናይዚ ምኽንያት ኣባል ሊግ ኦፍ ኔሽን ንምዃን ኮይኑ ዓለምበቃኝ ብምባል ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ መግረፍት ሰብኣዊ ግህሰትን ሰባት ብስቅላት ዝፍፀመላን ንምዃን ከኣለት፡፡
እተን ዝተመስረታ ቤት ማእሰርቲ ኣብቲ መዋእል ይላዓል ንዝነበረ ብሄራዊ ሕቶ በቢማእዝኑ ንምድኻም ተባሂሉ ዝተወሰደ ስጉምቲ ኮይኑ ንወየንቲ ከም ቀንዲ ካብ መፈራርሕነት ሓሊፉ ዝእሰርሉ ዝሳቐይሉ ናይ ቃልሲ መንፈሶም ንምውዳቕ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበፅሐ ምዝመዛ ብፀጋ ይኹን ብፍርሒ ክቅበልዎ ብዘግብር ዝተፈሓሰ ኣሻጥር ነይሩ፡፡ ካርሸለ መቐለ ወኸኒ ቤት 1935ዓ/ም ክሳብ 1936ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ወያነ ንዝተሳተፉ፣ ዝመርሑን ወየንቲ ንምእሳር ዓሊሙ ዝተደኮነ ኮይኑ ኣብ ክልተ ሃዳሙ ቁፅሮም ብዙሓት ተዳጒኖም ስቓይ ዝርእዩሉ ነይሩ፡፡
ኣብ እዋን ደርጊ ዝነበራ ወኸኒ ቤት ትግራይ ድማ ደቂ 8ን 11ዓመት ብመቑሕ ዝእሰሩሉ ዝርሸኑሉን ኣካሎም ዝጎድሉሉን ሕማቅ ታሪኸ ዝፍፀመለን ምንባረን ናይዚ ደፋኢ ምክንያት ዘርእን መበቖልን ትግራዋይ ካብ መሰረቱ ጠቕሊልካ ንምብራስ ዘተኮረን እግረ መንገዱ ንህዝቢ ትግራይ ንምርዓድ ተሓሳቢ ዝገበረ ፖሊሲ ኢሠፓውያን ነይሩ፡፡
ደርግ 2 መስከረም 1967 ዓ/ም ስልጣን ምስ ሓዘ ኣብ ሸውዓተ ወርሑ ዕድሚኡ መጋቢት 1967 ዓ/ም ሙሁራት ተጋሩ ኣነፃፂሩ ምቕታሉን ምቕንፃሉን ብእኒ መለስ ተኽለ፣ ግደይ ገ/ዋህድ፣ ረዘነ ኪዳነን ካልኦትን ዝተወሰደ ቕንፀላ ብሬድዮ ኣወጀ፡፡ ብተመሳሳሊ ናይዚ መቐፀልታ ኣብ 1968ዓ/ም ከምኒ ምሕረተኣብ ኣባዲ፣ በርሀ ወ/ሩፋኤል፣ ኣሕመድ ቲያም ወዘተ ዝርከብዎም 21 ተጋሩ ኣብ ሰሜን ወሎ ውጫሌ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ተረሽኑ እቲ ዝኸፍኣ ድማ ኣስከሬኖም ቤንዚን ተረብሪቡ ብሓዊ ክነድድ ተገበረ፡፡ ኣብ 1970 ዓ/ም ብ3 ዙር መጋቢት፣ ሚያዝያን ሓምለን 70 ዝፅግዑ መናእሰይ ተምሃሮ፣ መምህራን፣ ነጋዶ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብወፍሪ ዝተፈፀመ መርሸንቲ ነበረ፡፡ 80 ዝኣኽሉ እሱራት ካብ ወኽኒ ቤት መቐለ ብተርታ ኣእዳዎምን እግሮምን ኩንኩሪት ብምእሳር ኣብ እንዳየሱስ ብምርሻን ብዶዘር ኣብ ዝተኹዓተ ጉድጓድ ጅምላ ቐበሮም፣ ደርጊ ካብዚ ንላዕሊ ብደም ዝሰኸረ ነበረ፡፡
ሓለዋ ወያነ /06/
ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተቓለሰሎም ዕላማታት መሰረታዊ ዝኾነ ፍትሒ ናይ ምርካብ መሰል እዩ፡፡ ፍትሒ ማለት ፅላሉ ሕግን ሓቀኛ ፍትሒ ምርግጋፅ ኮይኑ ናይ ህዝቢ ሙሉእ ተሳታፋይነት ዘረጋግፅ ዓውዲ ፍትሕን ርትዕን እዩ ዝብል ስነ ሓሳብ ብምሓዝ ነዚ ክውን ንምግባር ፣ ህወሓት ኣብ ናይ ሓደ ዓመት ዕድሚኡ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ንምዕዋትን ነቲ ናይ ህዝቢ ሕቶ ንምምላስን ውድባዊ መሓውር ምፍጣር ኣገዳሲ ብምዃኑ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ውድብ ህወሓት ትጥቀመሉ ዝነበረ ኣወዳድባ ከምዚ ዝስዕብ ምግላፅ ይከኣል፡፡
Ø  00(ባዶ ባዶ) ሬድዮ ርክብ
Ø  01(ባዶ ሓደ) ክፍሊ ባህሊ
Ø  02(ባዶ ክልተ) ክፍሊ ታዕሊም
Ø  03(ባዶ ሰለስተ) ክፍሊ ጥዕና
Ø  04(ባዶ ኣርባዕተ)ክፍሊ ፕሮፓጋንዳ
Ø  05(ባዶ ሓሙሽተ) ክፍሊ ኢኮኖሚ
Ø  06(ባዶ ሽዱሽተ) ክፍሊ ሓለዋ ወያነ /ፀጥታ/
Ø  07(ባዶ ሸውዓተ)ክፍሊ ርክብ
Ø  08(ባዶ ሸመንተ) ክፍሊ ህዝቢ
Ø  09(ባዶ ትሸዓተ) ክፍሊ ዕጥቂ
Ø  011(ባዶ ዓሰርተ ሓደ) ክፍሊ ትምህርቲ
Ø  054(ባዶ ሓምሳን ኣርባተን) ክፍሊ ሕርሻ
Ø  055(ባዶ ሓምሳን ሓሙሽተን) ክፍሊ ኢደጥበብ
(ባዶ 6) ሓለዋ ወያነ ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ በርቃዊ ህዝባዊ ኲናት እንትምርሽ ከም ሰብ ዝተፈላለዩ ገበን ከጋጥሙ ስለዝኸእሉ ክህነፅ እንተኾይኑ ውድባዊ ሕግን ስርዓትን ክህሉ ስለዘለዎ ካብ መሰረታዊ ፖሊሲ ህወሓት ዝተበገሰ ዝእሰር ገበነኛ ብውድባውን ትካላውን ኣሰራርሓ ክፍፀም ስለዘለዎ ዝተጣየሸ መሓውር እዩ፡፡ ቀንዲ ዕላማን ልኡኽን ናይዚ መሓውር ፖሊሲን ስትራተጂን ብዘዕወት መንገዲ ልኡኹ ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ከይተሸራረፉ ምእንቲ ክኸበሩ ዝቃለስ ፍትሓዊ መሓውር ሓለዋ ወያነ (06) ኮይኑ መድረኻዊ ዕማሙ ዝተዋፅኣ መሓውር ኮይኑ ኣብ ትሕቲኡ ፡-
¨  (060) ማእኸል ሙሩኻት ደርግ ዝህነፁሉ ማእኸል ነይሩ፣
¨  (061) ስቪላት ዝኾኑ ገበነኛታት ምፅራይ ዝግበረሉ፣
¨  (062) እዚ ውን ብተመሳሳሊ ስቪላት ዝኾኑ ገበነኛታት የፃርን ይሃንፅን፣
¨  (063) ኣብ ርጅን 3 ንደብብ ግንባር ከባቢኡ ዘማእኽል ኮይኑ እዚ ርጅን እዚ እቲ ዝኸበደን ብፀላኢ ኣዕርዩ ተጠማቲ ዝኾነ ርጅን እዩ፣
¨  (064) እዚ ማእኸል እዚ ተጋደልቲ ህወሓት ብዝፈፀምዎ ገበን /ጥፍኣት/ መሰረት ተገይሩ ዝህነፅሉ ማእኸል እዩ ነይሩ፣
¨  (065) ዝበሃል ማእኸል ብውድብ ደረጃ ብደረቅ ገበን ዝተፈረዶም ፍርደኛ ጥራሕ ዝህነፀሉ ሓለዋ ወያነ እዩ፡፡
ባዶ 6 ዕብየቱን ውሽጣዊ ፅሬቱን ምስቲ ናይ ውድብ ባህርን ተፈጥሮን ካብ ንፁር ህዝባዊ መስመር ዝፍልፍል ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ዘኽብር ህዝባዊ መሓውር ነይሩ፡፡
ካብ ባዶ 6 ናብ ምምሕዳር ኣብያተ ህንፀት
       ድሕሪ 17 ዓመት ዝወድኣ መሪር ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ብናይ ህዝቢ ማዕበላዊ ተሳትፎ ሓያልነት ናብ መደምደምታ ከም ዝበፅሐ ብኣንፃሩ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ ከም ዝተሓምሸሸ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብቶም ንመበገሲ ቃልሲ ወሳኒ ዛዕባ ዝነበረ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ምርግጋፅን ብዋናነት ዜጋታት ብሂወት ናይ ምንባር መሰሎም ክሕለውን ሕጋዊ ኣፍልጦ ክረኽቡን ናይ ምርግጋፅ ቁልፊ ጉዳይ ክኸውን ተገይሩ እዩ፡፡
       በዚ መሰረት እቲ ክጣየሽ ዝተገበረ ቤት ህንፀት ነቲ ዝተሃነፀ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝመስል ብፍላይ ፈፀምቲ ሕጊ ኣብ ግልፅነት ዝተደረኸ ፍትሓዊ መሓውር ምቕራፅን መድረኻዊ ኣሰራርሓ ክህነፅን ብኣውርኡ ብሽም ወኽኒቤት ሕሉፋት ስርዓታት ዝገደፍዎ ይኹን ዝፈፀምዎ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ከይድገም ብዝቕይር ኣገባብ ሱርቦቆስ ለውጢ ንምርግጋፅ ብልዕልነት ሕጊ ጥራሕ ዝኣምንን ዝምራሕን ትካል ክኸውን ፃዕሪ ተገይሩን ተሰሪሑሉን እዩ፡፡

No comments:

Post a Comment

Quick Guide to Every Herb and Spice in the Kitchen – በማድቤት ውስጥ የእያንንዱ ቅጠል እና ቅመም ፈጣን መመርያ

ደረቅ ቅጠሎች እና ቅመሞች አሳፎቲዳ (አሳፌቲዳ) – አሳፎቲዳ በህንድ አመጋገብ ውስጥ የምግብ መፈጨትን ለመርዳት የሚጠቅም ሲሆን የበሰለ ዝንጅብል ሽንኩርት ቃና ያለው ጠንካራ ሽታ አለው፡፡ አቾቴ ማጣበቂያ እና ዱቄት ...