Thursday, April 23, 2020

ወፍሪ ኣንፃር ኮሮና ቫይረስ ካሊእ ዓውደ ግንባር መኸተና!

1.  መእተዊ
ዘለናዮ ንኡስ መድረኽ ብሳይንሳዊ መንገዲ ገምጊምና ውድብና ንመድረኻዊ ዕማሙ ምብቃዕ ዝብል መሰረታዊ ኣንፈት ኣቐሚጥና ኩለ መዳይ መኸተ ክነጓሃህር ስራሕቲ ምድላው ምዕራፍ ዛዚምና ናብ ጭቡጥ ተግባራዊ ምንቅስቃስ ውፈር ተበገስ ኢልና ኣቲና፡፡ ኣብ መስርሕ እዚ ምንቅስቃስ ዘይገመትናዮ ነቲ ናይ መኸተ ኲናት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘሰጋግር ሓደገኛ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ተላዒሉ ዓለም ኣብ ከቢድ ስግኣት ሸሚሙዋ ይርከብ፡፡
እዚ ሓደገኛ ተላባዲ ሕማም ብናይ ብርሃን ፍጥነት ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ተባሂሉ ወግዓዊ መግለፂ ካብ ዝወሃብ እውን ሰሙናት ኣቑፂርና ኣለና፡፡ ኣብ ትግራይ እውን መዓዝ እንታይ ይፍጠር ክንግምት ኣይንኽእልን፡፡ ስለዚ እዚ ሕማም ናብ ትግራይና ስለ ዘይኣተወ ስቅ ኢልና ዲና ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ክንድቅስ ዘለና ድዩስ ወይከዓ ባህሪርና እዚ ሕማም እንተኣትዩ ስዓቤኑ ከቢድ ስለዝኾነ ብኣጋኡ ክንከላኸሎ እንተኣትዩ ድማ ጉድኣት ከየብፀሐ ክንቆፃፀሮ ኣለና ዝብል እምነት ሒዝና ብመሰረቱ ሓዱሽ ውዑይ ምርብራብ ክንውልዕ፣ ከምኡ ክንገብር ዘገድደና ኩነታት ከምዝተፈጥረ ኣሚና ክንለዓል ዘለና ዝብል ሕቶ ቁልፊ እዩ፡፡
ስለዚ መላእ ኣመራርሓና፣ ኣባልናን ህዝብናን እዚ ሕማም ከይኣተወ ንምክልኻል ዘኽእል ዝተማልአ ቅድመ ምድላው ክገብር፣ ምክልኻል እንትበሃል ካብ ዓርሰ ምክልኻል ከም ዝጅምር ሓሲቡ ክንቀሳቐስ ዘኽእል ብቐንዱ ድማ እዚ ሕማም ብመንገዲ ሰራዊታዊ ምንቅስቃስ ከይድና እንከላኸሎ እምበር ካሊእ መማረፂ ኣይብልናን፡፡  ብምዃኑ እውን ነቲ ሰራዊት መለዓዓሊ ፅሑፍ ምድላው ኣደጋሺ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ባህርን መበገስን እዚ ሕማም፣ መከላኸሊ ሜላታቱን ክሳብ ሐዚ ዘሎ ዓለማዊ ተሞኩሮን፣ ካብዚ ብምብጋስ ግደ መላእ ኣመራርሓና፣ ኣባልናን ህዝብናን ዝሓዘ ሓፂር መበገሲ ፅሑፍ ከም ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡
2.  ባህርን መበገስን እዚ ሕማም እንታይ እዩ?
ሕማም ኮሮና ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኢሉ ‘ውን ካብ አንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ሓዱሽ ዓለም ለኻዊ ተላባዲ ሕማም እዩ፡፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ሃገረ ቻይና ክፍለ ግዝኣት ውሃን ዝተርኣየ ኮይኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ 199 ሃገራት እናተዛመተ ይርከብ፡፡  ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 665,295 ዝኾኑ በቲ ቫይረስ ዝተጠቅዑ አንትኾኑ፣ ልዕሊ 30,900 ድማ በቲ ሕማም ሂዎቶም ስኢኖም ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን እዚ ሕማም ብናይ ብርሃን ፍጥነት መላእ ዓለም ዝዛመት ዘሎ እዩ፡፡
መተሓላለፊ መንገዲታት እዚ ቫይረስ ኣብ ሞንጎ ሰባት ብምንኽኻእ ወይ ብምቅርራብ፣ ሰባት እነትስዕሉ ወይከዓ እንትህንጥሱ፣ ዝተበከለ ነገራት ሒዝካ ዓይንኻ፣ ኣፍካን ኣፍንጫኻን ብምንካእ፣ ብሃፋት እዩ፡፡ እዚ ሕማም ከይዲ ምትሕልላፉን ተዛማታይነቱን ኣዝዩ ቅልጡፍ ስለ ዝኾነ ንምቁፅፃሩ ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ፡፡ ኣብ ከማና ዝበለ ዓዲ ኣትዩ ዝፈጥሮ ቀውሲን ዘስዕቦ መቕዘፍትን እንተትግምት እዚ ሕማም ብጋንኡ ምክልኻል መማረፂ ዘይብሉ ምዃኑ መላእ ኣመራርሓና፣ ኣባልናን ህዘብናን ዝተማልአ እምነት ሒዙ ክኣቱ ዓብዪ ትርጉም ዘለዎ ነገር እዩ፡፡
እዚ ሕማም ንምክልኻል ይኹን ንምቁፅፃር ፍሉያት ባህርያትን ምልክታቱን ፈሊኻ ምሓዝ ኣገዳሺ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ስዓል ዝሓዞ እውን ኮረና፣ ኮረና ዝሓዞ እውን ስዓል ሒዝዎ ብዝብል ሰፊሕ ራዕድን ምድንጋርን ስለ ዝፈጥር፡፡ ኣብዚ ግልፂ ዝኾነ ብሩህነት ሒዝካ ምእታው የድሊ፡፡ ስለዚ ድማ ምልክታት እዚ ሕማም ሓያል ረስኒ ወይ ትኩሳት፣ ደረቅ ስዓል፣ ሕማም ጎረሮ፣ ድኻም፣ ሕፅረት ምስትንፋስ፣ ካብ ኣፍንጫ ዝወፅእ ፈሳሲ ዘይምህላው ዝብሉ እዮም፡፡ ከምዚ ዝበለ ምልክት ክትርኢ ከለኻ ብእዋኑ ናብ ዝምልከቶ ጥዕና ትካል ምኻድ፣ ብእዋኑ ምጥቋምን ብፍፁም ህዝባዊ መንፈስ ንምክልኻል ዓሊምካ ምንቅስቃስ የድሊ፡፡ ተዘይኮይኑ ይቕረየኒ ኢልካ ርኢኻ ከም ዘይረኣኻ ትሓልፍ እንተኾይንካ ንባዕልኻን ህዝብኻን ንመቕዘፍቲ ምህጋር እዩ ዝኸውን፡፡ ምኽንያቱ እዚ ሕማም ነቲ ሓደ ሒዙ ነቲ ካሊእ ዝገድፍ ስለ ዘይኮነ፡፡ ስለዚ ካብ ሓሚምካ ምሕቃቕ ኣቀዲምካ ምጥንቓቕ ዝብል ኣባህላ ምትግባር የድሊ፡፡ ግቡእ እውን ይኸውን፡፡

3.  ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን እዚ ሕማም ዘሎ ተሞኩሮ እንታይ እዩ?
ተሞኩሮ ዝውሰድ ካብ ባዕልኻን ካብ ደገን እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምክልኻል ሕማማት ይኹን ካልኦት ስራሕቲ ድሉብ ተሞኩሮ ዘለዎ እዩ፡፡ ኣብ ህዝብና ዘሎ ተሞኩሮ ብዝግባእ ፈሊጥና ክንሪኦን ክነማዕብሎን ዘለና እዩ፡፡ ከምዚ ዝበለ ለበዳ እንተጋጥም ህዝብና ዝጥቀመሉ ስርዓት ምክልኻል በቢከባቢኡ ብዝርዝር ፈሊጥካ ክትግበር ምግባር ኣገዳሺ እዩ፡፡ ንብል ዘለና ባህሪ እዚ ሕማም ተረዲእኻ ንምክልኻል ዝሕግዝ ናይ ህዝብና ተሞኩሮ ምጥቃም እዩ፡፡ ኣብዚ ከም መወከሲ ክለዓል ዝኽእል ህዝብና ንምክልኻል ሕማም ኣንቅፂ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ስርዓት ምርኣይ ይከኣል እዩ፡፡ ፈለማ እቲ ብሕማም ኣንቅፂ ዝተጠቅዐ ሰብ ንበይኑ ይፍለ፡፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ እውን ናብ ካሊእ ይወፅእ፡፡ ምግቢ ብሓደ ሰብ ናብ መሽኮት ይቐርበሉ፡፡  ሞት እንተጋጢሙ እውን ውሱን ሰብ ከይዱ ስርዓተ ቀብሪ ይፍፅም፡፡ ካልኦት ማሕበራዊ ርክባት ዘቋርፀሉን እቲ ሕማም ዘብፅሖ ጉድኣት የዐርዩ ዝቅንሰሉ ኩነታት ንምፍጣር ይንቀሳቐስ ነይሩ እዩ፡፡ ከምዚኦም ዝበሉ ተሞኩሮታትን ካልኦት ፀንቂቅካ ምጥቃም ወሳኒ እዩ፡፡
እቲ ካሊእ ዓለማዊ ተሞኩሮ ዝምልከት እዩ፡፡ ዓለማዊ ተሞኩሮ እውን ክልተ መልክዕ ዘለዎ እዩ፡፡ ለበዳ ሕማም ኮሮና ንምቁፅፃርን ንምክልኻልን ዕዉት ስራሕ ኣብ ምስራሕ ዝርከባ ሃገራት በቲ ሓደገፅ ብሰንኪ ነዚ ሕማም እኹል ትኹረትን ግቡእ ኣመራርሓን ዘይምሃበን ናብ ዓብዪ ቅልውላው ዝኣተዋን መዓልታዊ ብኣማኢት ዝቁፀር ህዝቢ ግዳይ መቅዘፍቲ ዝኾነለን ሃገራት ድማ በቲ ካሊእ ገፅ ዝሓዘ እዩ፡፡ ትምህርቲ ካብ ዓወትን ውድቀትን ስለ ዝርከብ ንክልቲኡ ዝርኢ ኣቀራርባ ምሓዙ ንዓና ገዚፍ ትርጉምን ኣገዳሽነትን ዘለዎ ይኸውን፡፡
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ሕማም ኮሮና ኣብ ምክልኻል ክልተ ዘይሳነዩ ተጓነፅቲ ተመኩሮታት ዝሓዘ ዓለማዊ ኩነታት ኢና ንርኢ ዘለና፡፡ ብሓደ ገፅ እቲ ሕማም ዝጀመረላ ቻይና ኮይና ነቲ ሕማም ኣብ ምከልኻልን ምቁፅፃርን ብዘገርም ብልሓት ፈንፂሓ ትወፅእ ኣላ፡፡ እዚ ሕማም ኣብ ቻይና ዳርጋ ኣብ ቁፅፅር እናወዓለ እዩ፡፡ ቻይናውያን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከምዚ ዝበለ ለውጢ ከምፅኡ ዝኸድዎ መንገዲ ቀሊል ኣይነበረን፡፡ ነገር ግን እቲ ዘጋጠሞም ፈተና ኣመራርሓን ኣባልን ውድብ ኮምኒስት ፓርቲ ቻይና “ብቓልስናን ፃዕርናን ህዝቢ ቻይና ይድሕን” ብዝብል ጭርሖ እናተመርሑ፣ ብዝለዓለ ተወፋይነትን ናይ ኣመራርሓ ድስፕሊንን ስለ ዝመርሑ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ይቆፃፀርዎ ኣለዉ፡፡ ልዕሊ 75,445 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ዜጋታታ ካብቲ ሕማም ሓራ ክወፁ ካልኦት ሓደሽቲ ከይልከፉ ትገብር ኣላ፡፡ ብኡንብኡ ድማ ህዝቢ ቻይናን እቲ ፓርቲ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ጎሊሆም ይወፁ ኣለዉ፡፡
 ነዚ ሕማም ብምቁፅፃር ቀፂላ እትመፅእ ደቡብ ኮርያ እያ፡፡ ኣብዚ እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ምክልኻል ዝተመስረተ ምንቅስቃስ ብምግባር፣ ኣብ ሓደ ከባቢ ምስኣተወ ናብ ካሊእ ከይዛመት ካብን ናብን ዝግበር ውሽጣዊ ዝውውር ብምዕጋት፣ ምዕቡል ልውውጥ ሓበሬታን ብምዝርጋሕ ነቲ ሕማም ኣብ ምቁፅፃር ዓብዪ ለውጢ ኣመዝጊባ እያ፡፡ ኣብዚ እውን ግደ መሪሕነት ደቡብ ኮርያ ዝለዓለ ቦታ ኣለዎ፡፡ ክልቲአን ሃገራት ብመንገዲ ልምዓታዊ መንግስቲ ከይደን ምዕባለ ዘረጋገፃን ኣብ ምርግጋፅ ዝርከባ ሃገራት ምዃነን ካሊእ ተወሳኺ ቁም ነገር ዝሓዘ እውን እዩ፡፡
በቲ ካሊእ ገፅ ብሰንኪ ኣቀዲሞም ዘይምክልኻል፣ ዝተዋደደ ኣመራርሓን እኹል ትኹረት ዘይምሃበንን በቲ ሕማም ዝተሰርነቓ ሃገራት ድማ ኣለዋ፡፡ ኣብዚ ብተለምዶ እቲ ምዕራባዊ ዓለም እናበልና እንፅውዖ ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ብሓፈሻ ጣልያንን ስፔይንን ድማ ብፍላይ ብመዓልቲ ብኣማኢት ዝቁፀር ሰብ ዝቅዘፈለን ሃገራት ኮይነን ኣለዋ፡፡ ከምዚ ዝበለ ዝርጉፍ ኣካይዳ እንተልዩ ክንድምንታይ ዝኣክል ዋጋ ከም ዘኽፍል እውን ካብዘን ብኮረና ቫይረስ ገዚፍ ሃስያ ዝወረደን ሃገራት እኹል ትምህርቲ ምውሳድ ይከኣል እዩ፡፡
እዚ ንዓና ዝህበና ትምህርቲ እንተርኢናዮ ወድብና ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝብሎን ዝግምግሞን ጉዳይ መሪሕነት እዩ እቲ ቀንዲ፡፡ ሐዚ እውን ቁልፊ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ኣፈላላይ እዩ፡፡ ፅኑዕ ሓፂናዊ ድስፕሊን ኣመራርሓ ዘለወን ሃገራት ለውጢ እንተምፅኣ፣ እዙይ ዝጎደለን ሃገራት ድማ ተኣሊኸን እንትተርፋ ኢና ንርኢ ዘለና፡፡ እቲ ቀንዲ ዕላማና ነተን ሃገራት ንምንኣድ ወይከዓ ንምንቃፍ ኣይኮነን፡፡ ክምኡ ዓይነት ዕላማ እውን ኣይብሉን፡፡ ዝኾነ ኾይኑ ጉዳይ መሪሕነት ክንብል ከለና ብቐንዱ ንኸማና ዝበለ ኣመራርሓን ብመንፅር ናዓና ዘለዎ ትርጉም ዝህበና ትምህርቲ ግና እዚ እዩ፡፡
ኣመራርሓ እንተወሲኑ፣ ብድስፕሊን እንተመሪሑ ነቲ ሕማም ብጋንኡ ምክልኻልን እንተኣትዩ ድማ ገዚፍ ኪሳራ ከየብፀሐ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ከም ዝኽእል፡፡ ህዝቢ እንተመሪሑ፣ እቶም መከላኸሊ ዕጥቅታት ብዝግባእ ተረዲኡ እንተወፊሩን ብዝለዓለ ሓፂናዊ ድስፕሊን ኣብ ምክልኻል ታሪኽ ከም ዝሰርሕ ኢና ንርኢ ዘለና፡፡ ኣብዚኣ እታ ሓፂናዊ ድስፕሊን ኣመራርሓ፣ ኣባልን ህዝብን እያ ወሳኒት፡፡ እቲ ካሊእ ክረአ ዘለዎ ብሰንኪ ናይ ኣመራርሓ ጉድለት፣ ምንኣስ ትኹረትን ጥንቃቐን እቲ ሕማም ዝፈጥሮ ዘሎ ሃስያ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ፡፡ ዝርጉፍነት ዘለዎ ኣካይዳ እንተልዩ ኣሽንኳይ ዶ ነዚ ሕማም ምክልኻልን ምቁፅፃርን ስርዓት ዘለዎ ቀብሪ እውን ከምዘይትረክብ ካብዘን ሃገራት ብምርኣይ ምርግጋፅ ይከኣል እዩ፡፡  ስለዚ ኣብዚ ክንሪኦ ዘለና ጉዳይ መሪሕነት ቁልፊ ምዃኑንን ህዝቢ ድማ ነቲ ኩነታት ኣብ ምቅያር ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎን እዩ፡፡ እቲ ፍልልይ አውን እዚ እዩ፡፡ በዚ መንፅር ንባዕልና ክንርኢ ኣለና፡፡ ህዝቢ ትግራይ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ብዘረጋገፆ ዓወትን ረብሓን ደቁ ኣብ ዘምሃረሉ፣ ኣብ ዝፈለጠሉን ዓበይቲ ትካላትን ዓቅምታትን ኣብ ዝሃነፀሉ በዚ ሕማም ክጥቃዕ የብሉን፡፡ እዚኣ ንምግባር ህዝባዊ ውግንናን እምነትን ትሓትት፡፡
4.  ካብዚ ተበጊስና ከም ውድብን ህዝቢን እንታይ ንግበር?
4.1.   ሰራዊት ልምዓትን መኸተን ገፁ ናብ ምክልኻል እዚ ሕማም የዙር፣
እዚ ሕማም ብዓለም ደረጃ ፈጢሩዎ ዘሎ ፅዕንቶ ከቢድ ምዃኑ፣ ሃገራት ነቲ ኩነታት ንምቁፅፃር ይኹን ንምክልኻል ዘርእየኦ ዘለዎ ተበግሶን ዝረአ ዘሎ ናይ ኣመራርሓ ፍልልይን እናረአና መፂና፡፡ ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት ከምዚ ዝበለ ሃስያ እንተውሪዱ ኣብ ከማና ዝበለ ትሑት ደረጃ ምዕባለ ዘለና ዓድታት እንተኣትዩ ክፈጥሮ ዝኽእል ጠቅላላ ማሕበረ ኢኮነሚያዊ ቅልውላውን ህልቂትን ንምግማቱ ኣየፀግምን፡፡ እንተጋጢሙና ገዛኻ ዓፂኻ ኮፍ በል ኢና ክንብሎ፡፡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ መነባብሮ ዘለዎ ህዝቢ፣ ምስ መዓት ድኽነቱ ኮፍ በል ኢልናዮ ከመይ ኢሉ እዩ ከፍ ክብል ዝኽእል፡፡ ከብዱ እናሓኸኸ ኮፍ ክብል ኣይኽእልን፡፡ ተዓፂፍካ ሞት ተዘርጊሕኻ ሞት ዝብል መማረፂ ካብ ምውሳድ ዓዲ ኣይውዕልን፡፡ ክህበና ዝኽእል መማረፂ እውን ሓንትን ሓንትን ጥራሕ እያ፡፡ ንሳ እውን ገዛይ ዓፅየስ ኮፍ ክብል ዝበልዖን ዝሰትዮን ካበይ እየ ከምፅእ ዝብል እዩ፡፡ ነዚ ሕቶ ክምልስ ዝኽአል ዓቅሚ ከምዘይብልና እውን ፍሉጥ እዩ፡፡ ስለዚ ካብ ክንሓስቦን ክንግምቶን እንኽእል ንላዕሊ እዩ ዝኸውን፡፡
ከምዚ ዝበለ ክብደት ዘለዎ ሽግር ዘምፀአልና እንተኾይኑ ክንገብሮ ዝግበአና ነገር ደኣ እንታይ እዩ ዝብል ክረአ ዘለዎ ጉዳይ እዩ፡፡ ምርኣይ ጥራሕ እውን እኹል ኣይኮነን፡፡ ከም ህዝቢ ነቲ ሕማም ኣብ ምክልኻሉ ተመሳሳሊ መደምደምታን ኣረዳድኣን ሒዝና ኣብ ሞንጎ እቲ ብህዝብና ዝተፈጠረ ስግኣትን ነቲ ሕማም ንምክልኻሉ ክውሰድ ዝግባእ ጥንቃቐን ስጉምትን ዘሎ ሰፊሕ ሓጓፍ ዝመልእ ቅልጡፍ ምንቅስቃስ ንምግባር ዓብዪ ትርጉም ዘለዎ እዩ፡፡
ሕማም ኮሮና ቅድሚ ምእታዉ ብጋንኡ ክንከላኸሎ ኣለና፡፡ ይግባእ እውን፡፡ ምእንተ እዚ ሰራዊት ልምዓትን መኸተን ንዚ ሕማም ንምክልኻል ኣፈሙዙ የዙር፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝጀመርናዮ ከቢድ ዝተሓላለኸ ኲናት ሐዚ ናብ ዝለዓለ መዳዩ ዘሰጋገር ከቢድ ሽግር እዩ ዝፍጠር ዘሎ፡፡ በዚ ሕማም እዚ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ትግራይና ክልከፍ ኣይብሉን፡፡ ከምቲ ስሙይ መራሒና ተጋደላይ መለስ ዜናዊ ዝበሎ እቲ እንቃለሰሉ ዘለና ህዝቢ ብዝኾነ መንገዲ ግዳይ እዚ ሓደጋ ክንገብሮ ኣይብልናን፡፡ ድቃስ መን ተፃወረ ብዝብል መንፈስ ነዚ ስግኣት ዝቅንጥጥ ብኡንብኡ ዘወግድን  መሪሕነት ክነዕርፍ ስለዚ ድማ ብዓወት ክንዘልቅ ኣለና፡፡
ሰራዊት ልምዓትን መኸተን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተወደበ እዩ፡፡ ካብ ባህሪ እዚ ሕማም ተበጊስካ ቀንዲ ናይ ውግእ ቦታ ኣብ ኔትወርክን ቤተሰብን ይኸውን፡፡ እዘን ውዳበታት መከላኸሊ ዕጥቂ ብበዝሒ ክውንና ምግባር ቁልፊ እዩ፡፡ በቢደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓን ውዳበታትን እውን እዚኤን ምምራሕን ምትሕብባርን ይኸውን፡፡ ስለዚ እዚ ሕማም ከይኣተወ ንምክልኻል ብኔት ወርክ ዘተኣሳስር ኣወዳድባ ሐዚ ክንፈጥር ይግባእ፡፡ ህልውና እዘን ውዳበታት ምፍታሽ፣ ንዝተረኸባ ምጥንኻር፣ ንዝፈረሳ ምዕራይ፣ ንዘየለዋ ድማ ምፍጣር ግቡእ ትኹረት ሂብካ ክስራሕ ኣለዎ፡፡ ቁመና እቲ ኣወዳድባ ካብ ክልል ክሳብ ቤተሰብ ደረጃ ዝበፅሕ ፕራሚዳዊ ቅርፂ ዘለዎ ርክብ ስርዓትን ጠንካራ ድስፕሊንን ክህልወና ኣለዎ፡፡ ሓበሬታ ልውውጥና ቅልጡፍ፣ ብተሓታታይነት መንፈስ ዝግናሕን ክኾን ይግባእ፡፡ ኣብዚ ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ጉድለት ብዋጋ እቲ ህዝቢ ዝፍፀም ገበን ስለ ዝኾነ ቅልጡፍ ስጉምቲ እናወሰድካ ክመዓራረ ይግባእ፡፡ መሐንኮላይ ኣተሓሳስባ ኣወጊድካ ዘለና ኩሉ ዓቅሚ ፀንቂቁ ዝጥቀም ኣካይዳ ኣንፈት ንከተል፡፡
እዚ ሕማም ንምክልኻል ዘይንቀሳቐስ ዓቅሚ ክህልወና ኣይብሉን፡፡ ኣባልና ሓደ ንሓሙሽተ ሰብ ሒዙ ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ይገብር፡፡ እቲ ሓደ ንሓሙሽተ ኣወዳድባ ድማ ናብ ገዛን ሕድሕድ ስድራን ክኣቱ ምግባር፡፡ በዚ ቅኒት እቲ ምንቅስቃስ ክንፈጥሮ ኣለና፡፡ ዘይሩዘይሩ ሰራዊት ልምዓትን መኸተን ገፁ ናብ ምክልኻል ሕማም ኮረና የዙር ክንብል ከለና እቲ መደብ ብሰራዊታዊ ምንቅስቃስ ንምርሓዮ ማለትና እዩ፡፡ ካብዚ ወፃኢ ክንከይድ እንተፈቲና ኣመራርሓናን ናይ ህዝቢና ዓቅምን ነኒበይኖም ክወፍሩ ዝገብር ስለዝኾነ፡፡ ከምዚ እንተኾይኑ ድማ ምክልኻል ዝበሃል የለን፡፡ እዚ እንተኾይኑ ድማ ምፅኣት ዘይተርፍ እዩ ዝኸውን፡፡
ነዚ ተላባዲ ሕማም በቲ እንሓስቦን እንምነዮን ብእኹል መጠን ከይንከላኸሎ ዝሓልኩ ዝተዛብዑ ኣረኣእያታት እውን ይመፁ ኣለዉ፡፡ ከቢድ ዝኾነ ምጭንናቅን ሻቅሎትን በቲ ሓደ ገፅ እዚ ሕማም ብኢኮነሚ ኣመና ዝዓበዩን ዝሃዝረጡን ሃገራት በቢመዓልቱ ብኣማኢት ዝቁፀሩ ሰባት ኣብ ዝቕዘፍሉ ከመይ ገይርና ኢና ንሕና እንከላኸሎ ስለዚ እግዚኣብሄር ምሕረት የውርደልና እምበር ዝብል ብጋንኡ ዝተስዓረ ኣረኣእያ ድማ በቲ ካሊእ ገፅ ብመሰረቱ ተስፋ ናይ ምቑራፅ ስምዒታት ይመፁ ኣለዉ፡፡ ኣይከኣልን ዝብል መንፈስ ይሰፍሕ ኣሎ፡፡ ከምዚ ዝበለ ግጉይ ኣረኣእያ ቃልሲ ክግበረሉ ኣለዎ፡፡ እዚ ኣረኣእያ ንለበዳ እዚ ሕማም ኣቃሊዑ፣ ህዝብና ኣደዳ ብርሰት ክኸውን ዝገብር፣ ንህላወና ናብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ፡፡
ስለዚ ድማ እዚ ተላባዲ ሕማም ምክልኻል ይከኣል እዩ ዝብል ዝተማለአ እምነት ንሓዝ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሎም ተፈጥሮኣውን ሰብ ሰራሕ ሓደጋታት ብፅንዓት መኪቱ ዝሓለፈ ህዝቢ እዩ፡፡ በቢእዋኑ ዘጋጥምዎ ዝነበሩ ተላበድቲ ሕማማት ኮሌራ፣ ኣንቅፂ፣ መገረም ወዘተ ብምክልኻል፣ ተደጋጋሚ ድርቅን ሓርን ብፍላይ 1977 ዓ/ም ዝነበረ ህልውና ህዝብናን ቃልስናን ዝተፈታተነ ሓደጋ ድርቅን ደርግን፣ በቢእዋኑ ዝለዓሉ ዝነበሩ ሓደጋ ባልዓት ባርኖስን ኣምበጣን ብፅንዓት ተቃሊሱ፣ ተኸላኺሉ ብዓወት ዝዘለቐ ህዝቢ እዩ፡፡ ምስጢር ናይዚ ዓወት ድማ ከምቲ ኩላትና ብተደጋጋሚ እንገልፆ ፅሩይ ወያናይ ዲሞክራስያዊ መስመርናን ነዚ ተቀቢሉ ዘተግብር ጅግና ህዝብናን እዮም፡፡ ፅሩይ መስመር ክሳብ ዝሓዝና፣ ብዝኾነ ፈተና ክምህ ዘይብል ግጅና ተቃላሳይ ህዝብና ሒዝና ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከየብፀሐ ምክልኻል ንኽእል ኢና፡፡ ንስዕረት ዝሽከም እንግድዓ ኣይብልናን፡፡ ምውሳን፣ ወሲንካ ብፅኑዕ ድስፕሊን ምትግባርን ጥራሕ እያ ትሓትት፡፡ ምእንተዚ በቢደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓ ኣባልን ካብዚ ግጉይ ኣረኣእያ እዙይ ሓራ ወፅዩ ይከኣል እዩ ዝብል ህልኽ ሒዙ ነቲ ህዝቢ ክመርሕ ካብ ብርሰት ከድሕን ይውፈር፣ ይበገስ፡፡
4.2.   ምክልኻል ክንብል ከለና ብተግባር እንታይ ንስራሕ ማለትና እዩ?
ኣብዚ ክለዓል ዝግበኦ ቁም ነገር ጥዕና ኣበይ ትርከብ ዝብል ሕቶ እዩ፡፡ ናይ ባዕልና ጥዕና ኣብ ኢድ ሓኻይም የላን፣ ኣብ ሆስፒታል እውን የላን፣ ኣብ ቤት መድሓኒታትን ፋርማሲታትን እውን የላን፡፡ ኣበይ ድኣ ትርከብ መልሱ ኣብ ኢድና ዝብል እዩ፡፡ ናይ ባዕልና ጥዕና ኣብ ኢድና እያ ክበሃል ከሎ ናይ ባዕልና ሂወት ገበርቲ ሓደግቲ ባዕልና ኢና ማለት እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ሰራሒ ታሪኽ እዩ፡፡ መነባብረኡ ከመሓይሽ ከፀብቅ መወዳእታ ዘይብሉ ዓቅሚ ዘለዎ ህዝቢ እዩ፡፡ ሐዚ እውን ነዚ ሓደገኛ ሕማም ክከላኸል ናይ ባዕሉ ጥዕና ክሕሉ ወሳኒ ግደ ዝፃወት ባዕሉ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡
እቲ ቀንዲ ናይ ምክልኻል ኣብ ውልቀ፣ ኣብ ቤተሰብን ከባብን ዝስራሕ እዩ፡፡ ስለዚ ጥዕና ዝርከብ ኣብ ኢድና ካብ ኮነ ክመፅእ ዝግበኦ ቀዳማይ ስጉምቲ ፅሬት ኢድካ ምሕላው እዩ፡፡ ኩሉ ግዜ ፅሬቱ ዝሓለወ ኢድ ይሃልወና፡፡ ምእንተዚ ኢድና ብዝግባእ ብሳሙናን ካልኦት ተዛመድቲ ፈሰስትን ገይርና ክንሕፀብ ይግባእ፡፡ ኢድና ዘይነኽኦ፣ ዘይሕዞ ነገር ስለ ዘይብሉ ኩሉ ግዜ ኢድ ምሕፃብ ቀዳማይ ውሕስና መከላኸሊ እዚ ሕማም እዩ፡፡ ብዝረስሐ ኢድና ኣፍንጫና፣ ገፅናን ኣፍናን ዘይምሓዝ፣ ሰላምታ ብኢድ ምጭብባጥ ጠጠው ኣቢልና ከምታ ናይ ወለድና “ጥዒና ይሃበለይ” እኽልቲ ሰላምታ እያ፡፡ ቀደሙ እውን ንሳ እያ እታ ዝፀንሐት ባህልና፡፡ እዚከዓ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ንጥዒናኡ ፍሉይ ቦታ ከም ዝህብ ዘመላኽት ወርቃዊ ኣባህላ እዩ፡፡ ኣብዚ ምክብባር ኣሎ፣ ኩነታት ጥዕና ምፍላጥ ኣሎ፣ ምትሕልላይ ኣሎ ኮታስ ከም ፓኬጅ እዩ ዝጥቀመሉ ነይሩ ምባል ይከኣል እዩ፡፡ ነዚ ኣጠናኺርና ክንከይድ ግድን ይብለና፡፡ እምበኣር ከስ ሕማም ኮረና ንምክልኻል ኣብ ኢድ ሓኪም፣ ኣብ ኢድ መድሓኒት፣ ኣብ ኢድ ሆስፒታል ዝተንጠልጠለት ኣይኮነትን፡፡ ኣብ ኢድ ኣመራርሓ፣ ኣባልናን መላእ ህዝብናን እያ ትርከብ፡፡
እቲ ካሊእ ክረአ ዝግባእ ነገር ውልቀ ፅሬት ምሕላው እዩ፡፡ ኣፍና፣ ኣብ እንስዕለሉ ወይ እንህንጥሰሉ እዋን ኣፍንጫና ብመንዲል ምሽፋን፣ ምስ ተጠቀምናሉ ድማ ሰብ ኣብ ዘይነኽኦ ቦታ ምቅማጥ፡፡ ሓቢርካ ምብላዕ፣ ምስታይ፣ ምውጋዕ ምውጋድ፣ ርሕቀት ምሕላው፣ እንተነኣሰ ክልተ ሜትሮ ርሕቐት ክንሕሉ ይግባእ፡፡ ንምንታይ? ሓደገኛነት እዚ ሕማም ብዝኾነ ኣጋጣሚ ሓደ ዝተለኽፈ ሰብ እንተልዩ ምስኡ ዝተራኸቡ ሰባት ኩሎም እዮም ናብ መፅንሒ ዝኣትዉ፡፡ ካብዚ ዝኸፍእ ነገር እንታይ ኣሎ፡፡ ስለዚ እቲ ሓቢርካ ምብላዕ፣ ምስታይ፣ ጃዕታ ዘለዎ ወግዕን ፀወታን እቲ ሕማም ተኸላኺልና ምስ ወዳእና ነርክበሉ ኢና፡፡ ንሐዚ  ግና ይትረፈና ብፅኑዕ ድስፕሊን ክንምክቶ ይግበአና፡፡ ተዘይኮይኑ ኣብ መፅንሒ ቦታ ነፅንሓዮ እንተዝበሃል እኳ ኣይከኣልን፡፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ እዚ ንምግባር ዘኽእል ዓቅሚ እውን ኣይብልናን፡፡
ህዝቢ ብበዝሒ ናብ ዝእከበሉ ከባቢ ብዘይምኻድ ምክልኻል፡፡ ህዝቢ ብበዝሒ ዝንቀሳቐሰሎም ቦታታት እቲ ሕማም ንምትሕልላፍ ቀሊል መንገዲ እዩ ዝኸውን፡፡ ስለዚ ብፍላይ ዓበይቲ ዕዳጋታት፣ ቤት ምግቢ፣ ቤት መስተ፣ ኢንተርኔት ካፌታት፣ ማሕበራዊ ርክባት ከም ቀብሪ፣ ፀበል፣ መርዓ፣ ክርስትና፣ ተስካር፣ እምነት ቦታታትን ዓብዪ ጥንቃቐ ዝሓቱን እቲ ሕብረሰተብ ባዕሉ ክመሓተወሉ ዝግባእን እዩ፡፡ ተዘይኮይኑ ሰዓቤኑ ገዚፍ እዩ ዝኸውን፡፡ መሳኹቲ ብምኽፋት ፅቡቅ ናይ ኣየር ዝውውር ክህሉ ምግባር፣ ከባቢ ፅሬት ምሕላው፣ ገዛ ብእዋኑ ምፅራይ፣ ኣጠቃቅማ ሞባይል፣ ቴለቨዥን ሪሞት፣ መፃወቲ ቆለዑ ብስፍሓት ንጥቀመሎም መሳርሒታት እዮም፡፡ ስለዚ ብልዑል ጥንቃቐን ፅሬትን ምሓዝ የድሊ፡፡
ምዕሩይ ኣነባብራ ሂወት ምጥቃም፣ እኹል ምግቢ ምብላዕ፣ ስጋ፣ እንቋቑሖ ብግድን ኣብሲልካ ምብላዕ፣ ሽጋራ ምትኻኽን መስተን ምቅናስ፣ ሚዛኑ ዝሓለወ ስራሕን ዕረፍትን ምውሳድ፣ ተመጣጣኒ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ምስራሕ፣ ዝኾነ ይኹን እንስሳት ዘገዳም ምሓዝ፣ ምህዳን፣ ምጉዕዓዝ፣ ምቅታል ወይከዓ ምብላዕ ፈፂሙ ዝተኸልከለ እዩ፡፡ ምኽንያቱ እዚ ሕማም ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ስለ ዝኾነ፡፡ መበገሲ እዚ ሕማም እውን ንሱ እዩ፡፡ ካብን ናብን ምንቅስቃስ ዝቅንሰሉ ኩነታት ምፍጣር፡፡ ኣብዚ እውን ዓብዪ ጥንቃቐ ክግበር ይግባእ፡፡ እዚ ኩሉ ክንሰርሖ ኣለና ንብሎ ዘለና ነቲ ሕማም ከም ዘይኣተወ ሓሲብና ብኣግኡ ንምክልኻል እዩ፡፡ ነገር ግን ብዝኸፍአ መዳዩ እውን ክንዳሎ ኣለና፡፡ እተዘይኣትዩ ህዝቢ ትግራይ ታሪኹ ኣብ ዓለም ከብሪ መዝገብ ክፅሓፍ እዩ፡፡ ሓዱሽ ታሪኽ ንምፅሓፍ፣ ህዝቢ ዘድሕን ተግባር ንምስራሕ ኩላትና ብልዑል ተገዳሽነት ንጋደል፡፡ እንተኣትዩ ድማ ብዝቐለለ መንገዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዘኽእል ምንቅስቃስ ክንገብር ኣለና፡፡
ብመንግስትና ዝወርዱ ኣዋጃት፣ መምርሒታት፣ ምኽርታትን ብጥብቂ ተግባራዊ ክኾኑ ኣለዎም፡፡ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ኩነታት ክፍፀሙ ኣይብሎምን ዝተብሃሉ ካብ ገጠር ናብ ከተማ፣ ካብ ከተማ ናብ ከተማ፣ ካብ ከተማ ናብ ገፀር፣ ካብ ገፀር ናብ ገፀር ዝግበሩ ዝዉዉራት ደው ክብል፣ ህዝቢ ብበዝሒ ዝእከበሎም ዓበይቲ ዕዳጋታት ተኣጊዶም ክፀንሑ፣ መርዓ፣ተስካር ዝበሉ ማሕበራዊ ጉዳያት ጠጠዉ ምባል ዝብሉ ውሳነታት ብፅኑዕ ድስፕሊን ምትግባር፡፡ ስለዚ ውድብና ቀለበት ናይዚ ምንቅስቃስ ኮይኑ ይመርሕን የተሓባብርን፡፡
4.3.   ንፁር መከላኸሊ መትከል ይሃልወና፣
ዝኾነ ሰብ መዓልታዊ ናብረኡ ሕጉስ፣ ቅሱን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ብዘይካ ጥዕና ድማ ዝሃፍተመ እንተሃፍተመ፣ ዝረኸበ እንተረኸበ ከንቱ እዩ፣ ጥዕና መዳርግቲ ኣልቦ እዩ፡፡ ንኽትቅኒ ጥዕና እዩ ወሳኒ፡፡ ውሑስ ጥዕና ዝህሉ ድማ ኣብ ምሕካም ዝተመስረተ፣ ሎሚ ዶ ፅባሕ ይገደኒ ወይ ሕማም ይሕዘኒ ኣብ ዝብል ሎቶሪ ዝምስረት ጥዕና ዘይኮነስ ኣብ ምክልኻል ዝተመስረተ ጥዕና እዩ፡፡ ስለዚ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ነዚ ሕማም ብጋንኡ እንምክተሉ መንገዲ ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ምንቅስቃስ እንተወሊዕና እዩ፡፡ እዚ መትከል እዚ ሐዚ ንሃፍታም ኣይብል፣ ንድኻ ኣይብል ንኹሉ ሒዙ ዝጠፍእ ተላባዲ ሕማም ስለ ዝመፀ ጥራሕ እንምረሐሉ መትከል ዘይኮነስ ዓንዲ ፖሊሲ ጥዕና እዛ ዓዲ ኮይኑ መስተንክራዊ ዓወታት ዘመዝገበ መትከል፣ ኣብ ቅድሚ ዓለም ተወዳዳሪ ዘይብሉ ፖሊሲ ስለ ዝኾነ እውን እዩ፡፡ ሐዚ እውን ናህሪ መኸተና ክዕቀብ፣ ህዝብና ካብዚ ሕማም እዚ ክናገፍ እንተኾይኑ ብምክልኻል ኣቢልካ እምበር ሆስፒታላት መኽዚን ሕሙማት ብምግባር ኣቢልካ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ኣቀዲምካ ምድላው፣ ኣቀዲምካ ምክልኻል ይከኣል እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብነዊሕ ናይ ቃልሲ ተሞኩሮኡ ዘጥረዮ ድሉብ ተሞኩሮ እውን እዚ እዩ፡፡ ስለዚ ዘለና ኣማራፂ ቁፅሪ ሓደ ምክልኻል፣ ቁፅሪ ክልተ ምክልኻል፣ ቁፅሪ ሰለስተ ምክልኻል እዩ፡፡ እዚ ንምግባር ድማ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን ኣብ ናይ ባዕሉ ጥዕና ቀንዲ ተዋስኣይ ክኸውን ኣለዎ፡፡
ዘለናዮ ንኡስ መድረኽ ናይ መኸተ መድረኽ እዩ፡፡ ክንምክት እንተኾይና ድማ መቃለሲ ጥዕና ክህልወና ኣለዎ፡፡ እዚ ዓለም ብዓለማ ዝሕምሳ ዘሎ ሕማም ትግራይ ከይኣቱ ብገነኡ ከሎ ንከላኸሎ ክንብል ከለና ኣንፃር ውሽጣዊ ይኹን ግዳም ተፃብኦ ንምምካት ዘኽእል ጥዕና ክህልወና ኣለዎ ማለትና እውን እዩ፡፡  ስለዚ ህዝብና እቶቱ ከደንፍዕ፣ ህዝባዊ ስራሕቱ ብዝግባእ ክፍፅምን ክቃለስን ጥዕንኡ ሕልው እንተኾይኑ እዩ፡፡ ስለዚ ንቃልሲ እውን ጥዕና ወሳኒ እዩ፡፡ ንቃልሲ ጥዕና የድሊ ከንብል ከለና እውን ብቐንዱ ቁንጣር ጥዕና ዘይኮነስ ነቲ መድረኽ ዝጠልቦ ዓቅሚ ኩሉ ምርካብ ማለት እውን ስለ ዝኾነ፡፡ ኣብዛ እዋን እዚኣ ነዚ ሓደገኛ ሕማም ኮሮና ካብ ምክልኻል ወፃኢ ናይ ጥዕና ምንቅስቃስ ዋጋ ኣይብሉን፡፡ ምኽንያቱ መጋየፂ ጥዕና ዝበሃል ስለዘየለ፡፡ ኩሉ ዓቅምናን ህዝብናን ንምክልኻል እዚ ሕማም ይውፈር ክንብል ከለና ኩሉ ጥዕናና ዓቅሚ ህዝባዊ መኸተና ብዝውስኸን ብዘጎልብትን ዝተቃነየ ክኸውን ኣለዎ፣ ስለዚ ድማ ኩሉ ነገርና ነዚ ተኣዛዝን ተገዛእን ክኸውን ኣለዎ ማለትና ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ፡፡
ሓፈሻዊ ጥዕና ህዝብና እንተተሓልዩ ብዙሕ ዝሕከም ሰብ ኣይህሉን፣ እቲ ውሑድ እውን በቲ ዘሎ ሓይሊ ሰብን ማተርያልን ገይርካ ክሽፈን ዝኽእል እዩ፡፡ ሃጥ እንተበለ እውን ሪፈር እናበልካ ምልኣኽ እውን ኣሎ፡፡ ናይዚ ኮሮና ዝበሃል ተላባዲ ሕማም ግን ንሕክምና ይኹን ንሪፈር ዕድል ዘይብሉ ምዃኑ እዩ፡፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ዝተኣከብሉ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሓደ ሰብ እንተተረኺቡ ኣብኣ ዝነበሩ ኩሎም እዮም ናብ መፅንሒ ወይ መወሸቢ ቦታ ዝኣትዉ፡፡ ነዚ ዘድሊ ሓይሊ ሰብ፣ ማተርያል፣ ቀለብ ካበይ እዩ ክመፅእ፣ ሪፈር እውን ኣይፍቀድን ምኽንያቱ ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካሊእ ከባቢ ምብዛሕ ስለ ዝኸውን፡፡ ስለዚ ብኹሉ ገፁ ኣገላቢጥካ ነዚ ሕማም ካብ ምክልኻል ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ ብጣዕሚ ፀቢብን ዘየዋፅእን ምዃኑ እዩ፡፡ ክንከላኸል እንተኾይና ድማ ኣብ መትከል ዓርሰ ምርኮሳ ክንምስረት ሕድሕድ ህዝብና ጥዕንኡ ኣብ ኢዱ ከም ዘላ ኣሚኑ ብዓርሰ እምነት ክከላኸል ምስራሕ፡፡ እዚ ብምግባር ኣቢልካ እዩ ኩሎም ስግኣታቱ ክውገዱ ዝኽእሉ፡፡ እዚ ንምግባር ግደ ህዝብና ወሳኒ ግደ መሪሕነትን ኣባልን ድማ ቁልፊ ምዃኑ ተረዲእና ክንቃለስ ይግባእ፡፡ 
4.4.   ኣመራርሓናን ኣባልናን ቅድመ ግንባር ኮይኑ ህዝቡ የድሕን፣
መላእ ኣባልናን ኣመራርሓናን ንኹሉ ዓይነት መስዋእቲ ብኹሉ መዳይ ክዳሎ ይግባእ፡፡ መደባት ብተርታ ቀዳምነት ክስርዕ ኣለዎ፡፡ ብቐዳምነት እዚ ሕማም ኣብ ምክልኻል ዓብዪ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ይኹን እምበር እንተኣትዩ ኸ ዝብል ሕቶ እውን ክለዓል ዘለዎ እዩ፡፡ እንተኣትዩ ድማ ከይተጋፍሐ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ዝብል ክልተ ብልሒ ዘለዎ ኣንፈት ሒዝና ንቃለስ፡፡ እዚ ንምግባር ከም ኣባልን ኣመራርሓን ቻይና ንሕና እናሃለና ህዝብና ብኮረና ቫይረስ ኣይድፈርን ኣይልከፍን ዝብል ጭርሖ ሒዝና ክንለዓል ኣለና፡፡
እዚ ሕማም ንምክልኻል ዘኽእል ሰራዊታዊ ምንቅስቃስ ንወልዕ፡፡ በቢከባቢኡ ዝምረሐሉ ሓፂር ትልሚ ኣዳልዩ ይእቶ፣ ንመላእ ህዝብና ብዝተፈላለየ መንገዲ ተጠቂምና ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ክንሰርሕ፣  ኣብዚ ብፍሉይ ድጋፍ ክገብሩ ዝግበኦም መምህራን፣ ሰብ ሞያ ሕርሻ፣ ጥዕና ፓኬጅ ሰራሕተኛ፣ መናእሰይ፣ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይን ብኔት ወርክ ተኣሳሲሮም ክወፍሩ ንግበር፡፡ ሕድሕድ ኣባልናን ኣመራርሓናን ታሪኽ ዘሰከሞ ሓላፍነት ክዋፃእ ብሙሉእ ቀልቡ ክወፍር ኣለዎ፡፡
ንተላባዲ ሕማም ኮሮና ካብ ምክልኻል ወፃእ ካሊእ መማረፂ የለን፡፡ እንተሃለወ እውን ከቢድን ዝተሓላለኸን ኣብ ርእሲ ምኻኑ ዘስዕቦ ኮሳራ ብኡልክዕ ገዚፍ እዩ፡፡ ስለዚ ድማ መላእ ኣመራርሓናን ኣባልናን እዚ ተላባዲ ሕማም ንምምካት ዘለና እንኮ መማረፂ ምክልኻል እዩ ዝብል ዘይንቅነቅ እመነቱ ክኸውን ናይ ኩሎም ግብራዊ ምንቅስቃሳቱ መምርሒን ክገብር ኣለዎ፡፡ ኣብዚ መዳይ ዝፍጠር ዝኾነ ዝሕታለን ድኽመትን ብኣንፃር ኣብ ህዝብና ዝፍጠር ጥፍኣት ክምዘን ኣለዎ፡፡ ብሰንኪ ኣመራርሓ ጉድለት ትፍጠር ናይ ደቂቃን ስዓትን ብኽነት ነቲ ሕማም ክኣቱ ዕድል እትህብ ምዃናን ንህዝብና ድማ ዘየድሊ ናይ መስዋእቲ ግብሪ ክኸፍል ዘግብር ስለ ዝኾነ ዝርጉፍነት ስራሕ ዘወግድ ኣካይዳን ድጋፍ ኣመራርሓን ክህብ ዝተማልአ እምነትን ወነን ሒዙ ክኣቱ ይግባእ፡፡ እዚ ብምግባር እዩ ኩሎም ናይ ስግኣት ደበናታት ክውገዱ ዝኽእሉ፡፡ እዚኣ ዝገብር ድማ ባዕሉ ኣመራርሓን ኣባልናን እዩ፡፡


4.5.   ከመይ ተወዲብና ንምርሓዮ?
ናብዚ ዘይወፍር ሓይሊን ዓቅምን ክህሉ ኣይብሉን፡፡ ኩሎም ዓቅምታት ፀንቂቕና ንጠቐም ክንብል ከለና ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣብዚ ውግእ ዘይሳተፍ ዓቅሚ፣ ዝባኽን ጉልበት ይኹን ግዜ ክህሉ ኣይብሉን ማለትና እዩ፡፡ ብካሊእ ኣባህላ ብሰራዊታዊ ምንቅስቃስ ንምርሓዮ ኢና ንብል ዘለና፡፡ መሪሕ ውድብና ነቲ ምንቅስቃስ ይምራሕ፣ ልምዓታዊን ዲሞክራስያውን መንግስትና ሙሉእ ዘይጉድል ድጋፍ ይግበር፣ ዝተወደበ ሓፋሽ ህዝብና ድማ ኣብቲ ምንቅስቃስ ሓበራዊ ቅልፅሙ የዕርፍ፣ ካብቲ ለበዳ ዓርሱን ከባቢኡን ይከላኸል፡፡ ከምዚ ዝበለ ቀለበታዊ ምትእስሳር ፈጢርና ንውፈር፣ ንከላኸል፣ ንመክት እዩ ዝበሃል ዘሎ፡፡ እዚ ውግእ ብዝኾነ መንገዲ ከይድካ ዝረጋገፅ ዘይኮነስ ብዝተወደበ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቃስ ጥራሕ እዩ፡፡ ስለዚ ቀላፅምና ናብ ሓደ ጠሚርና እዚ ተላባዲ ሕማም ንምክልኻል ዝተሓፀና ስለ ዝኾና ኩሉ ነገርና ኣብዚ ክነረባርቦ ይግባእ፡፡
ኣብ ውግእ ከምዘለና ሓሲብና ንጋደል፡፡ ናብ ውግእ ክትኣቱ ከለኻ ፅቡቅ ተኳሳይን ጨማታይ ጥራሕ ምዃን እኹል ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ፀላኢ ቀዲሙ ተኲሱ ክቐትለካ ስለ ዝኽእል፡፡ ስለዚ ምስ ምጭማትን ምትኳሰን ፍጥነት ወሳኒ እዩ፡፡ ፅቡቅ ጨማታይን ቀልጢፍካ ምትኳስን ክልቲኦም እዮም ወሰንቲ ዝኾኑ፡፡ ናይ ውግእ ቁም ነገር ተኹስን ምንቅስቃስን እዩ ዝበሃል እውን ካብዚ ብምብጋስ እዩ፡፡ ፍጥነት ምዝማት እቲ ተላባዲ ሕማም ኮሮና ቫይረስን ናትና ምክልኻልን ምንቅስቃስን ብቅዓትን ካብዚ እናተበገስና ክንሪኦ ኣለና ማለት እዩ፡፡  ምእንተዚ ናትና ናይ ምክልኻል ዓቅምን ተኽእሎን፣ እቲ ሕማም ከይኣቱ እንገብሮ ምንቅስቃስን ልዕሊ ፍጥነት ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ክኸውን ኣለዎ፡፡ እዚ እንተገይርና ኢና ክንከላኸሎ፡፡ እዚ እንተገይርና ኢና ክቡር ሂወት ተቃላሳይ ህዝብና ክንዕቅብ ንኽእል፡፡ ነዙይ ሸለል ምባል ድማ ነዚ ታሪኸኛን ኣብዚ መድረኽ ፍሉይ ግደ ዘለዎን ህዝቢና ምብዳል ንክበርስ ምፍቃድ ማለት እዩ፡፡ ከምዚ ዝበለ ከቢድ ገበን ምፍፃም ማለት ድማ ኣብኡ እንተሎ ነቲ ፅግዕተኛ ሓይሊ ከም ድላዩ ዝዕንድረሉ ሰላማዊ ውቅያኖስ ምፍጣር ማለት እዩ፡፡ እዚኣ ከዓ ክልተ ሞት ማለት እያ፡፡
ኩሉ በቢዝምልከቶ እናሰርሐ ግን ድማ ናብ ሓደ ኮማንድ ዝጥመር ምንቅስቃስ ንወልዕ፡፡ ኣብዚ እግሪ ዝጎትት ሰብ ክህሉ ብፍፁም ክንፈቅድ ኣይብልናን፡፡ በቢዝምልከተና እናሰራሕና ከም ሓደ ኣሃድ ናብ ሓደ እናተጠመርና ዝመፅእ መምርሒ ብዘይ ጉምብሕ ጥልዕ ክንትግብር ኣለና፡፡ ኣብዚ ዝፍጠር ፀገም ናብ ተሓታትነት ክሰጋገር ይግባእ፡፡ ኩሎም ኣንፈታት ካብ ሓደ ኮማንድ ይብገሱ፣ በቢደረጅኡ ዘሎ ኣካል ይፍፀሙ ተመሊሶም ናብ ሓደ ይጥመሩ፡፡ ምእንተዚ ከም ህዝብን ውድብን ናብቲ ዝነበረ ኲናት ካሊእ ተወሳኺ ዓውደ ግንባር ተፈጢሩ ከም ዘሎ ተረዲእና ክንወፍር ኣለና፡፡ እዚ ተላባዲ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዕንይንይ እናበልና፣ እግሪ እናጎተትና፣ እናተቃፀፅና ብፍፁም ክንከላኸሎ ኣይንኽእልን፡፡ ኩልና ጎየይቲ፣ ኩልና ጥንቁቃትን ንቁሓትን ፣ ኩልና ውፉያት ክንከውን እንግደደሉ እዋን ኢና ዘለና፡፡ ከምዚ ዝበለ ምንቅስቃስ በቢደረጅኡ እንተተፈጢሩ ንምክልኻእ እዚ ፀፋር ሕማም ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ፅግዕተኛ ሓይሊ ንምድምሳስ ዘለዎ ትርጉም እውን ገዚፍ እዩ፡፡
ሽሕእኳ ኣብ መስርሕ ምክልኻል እዚ ሕማም ዘይኣትዋ ውዳበታት ኣይህልዋን ዝብል ቅኒት ሒዝና ክንለዓል ግቡእ እንተኾነ ማእኸል ስሕበት እቲ ምክልኻል ግና ኔትወርክን ቤተሰብን እዩ ዝኸውን ዘሎ፡፡ ምእንተዚ ሕድሕድ ኔትወርክ ንፁር ተልእኾ ሒዘን ክወፍራ ኣለወን፡፡ ንፁር ተልእኾ ጥራሕ እውን እኹል ኣይኮነን፡፡ እተን ኔትወርክ ንላዕሊ ንታሕቲ ንጎኒ ከመይ ይራኸባ፣ ሓበሬታ ከመይ ይለዋወጣ፣ ምኽሪን ማዕዳን ሰብ ሞያ ጥዕና ከመይ ይበፅሐን፣ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ በየናይ መንገዲ ናብ ኣባላተን የብፅሓ፣ እቶም መተሓባበርቲ ንባልቶም እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ክወስዱ ይግባእ፣ ኣጋጣሚ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ እንተጋጢሙ ብኸመይ መንገዲ ይፍለጥ፣ ንዝምልከቶ ኣካል በየናይ ኣገባብ ይበፅሖ፣ ከመይ ይፍለን ሕክምና ይግበረሉን ዝብል ንፁር ኣፍልጦ ሒዘን ክኣትዋ ኣለወን፡፡ ኣብዚ ብንሰርሖ ፅፉፍ ስራሕ ፅፉፍ ዓወት ንምምፃእ ቅድመ ኩነት እዩ፣ ኣብዚ ዝረአ ዝርጉፍነት ከዓ ዘምፅኦ ስዓቤን መቅዘፍቲ እዩ፡፡ ስለዚ ዝርጉፍነት ዘወግድ ውዳበን ምንቅስቃስን ክንፈጥር ግድን ይኸውን፡፡
4.6.   ከቢድ ኲናት ገጢሙና ከም ዘሎ ሓሲብና ንስራሕ፣
ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት እዛ ዓዲ ካብ ዝሓመቀ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ይኸይድ ከም ዘሎ ኩላትና እንፈልጦ ጉዳይ እዩ፡፡ ከምዚ ዝበለ ዝሓመቐ ኩነታት ኣብ ዘለሉ እዩ ኣብ ልዕሊ ሕፈስ ሰሙን ፅግዕ ሕማም ኮረና ዝኣቱ ዘሎ፡፡ ዘለና መማረፂ ደኣ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ፡፡ መልሱ መኸተኻ ምጥንኻር፣ እቲ ዝነበረ ኲናት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምስግጋር እዩ፡፡ እቲ ሓደ ካብቲ ካሊእ ፀላኢ ፈሊኻ ዝረኣዩ ኣይኮኑን፡፡ ምኽንያቱ ክልቲኦም ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለዉ ሓደጋታት ስለ ዝኾኑ፡፡
ስለዚ ጥዕና ህዝብና ውሑስ ምግባር ማለት ኣብኡ እንተሎ ድልዱል ኣካል ክህሉ፣ ብኹሉ ገፁ ዝምክት፣ ሞራል ህዝብና እውን ሓፍ ክብል ዝገብር ስለ ዝኾነ ምስቲ ፅግተኛ ሓይሊ እንገብሮ ምትሕንናቅ ዘለዎ ትርጉም እውን ገዚፍ እዩ፡፡ ስለዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝመፅእ ዘሎ ሓደጋ ብሰፊሕ ማዕበላዊ ርብርብ ክንምክት ኣለና፡፡ ብኡ ንብኡ መሪሕ ውድብናን መላእ ህዝብናን ናይ ምግባር ዓቅሙ ክጉልብት ኣብ መድረኽ ዓለም ጎሊሁ ክወፅእ ክንገብር ኣለና፡፡ ስለዚ ድማ ታሪኽ ውድብናን ህዝብናን ምሉእ ንምግባር ንጋደል፡፡
5.  እዚ ሕማም ተዘይመኪትናዮ ክፍጠር ዝኽእል ኩነታት እንታይ እዩ? ተመኪትናዮ ኸ?
እዚ ትላባዲ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ተዋጊእና ተዘይስዒርናዮ ኣብ ህልውናን ሓድነትን ህዝቢ ትግራይ ክፍጠር ዝኽእል ሓደጋ ገዚፍ እዩ፡፡ እዚ ሕማም ካብቲ ፅግዕተኛ ሓይሊ ፈሊኻ ክረአ ዘይብሉ እዩ እንብለሉ ቀንዲ ምኽንያት ክልቲኦም ንሃለዋትናን ድሕንነትናን ሓደጋ ስለ ዝኾኑ እዮም፡፡ ከምዚ ዝበለ ተላባዲ ሕማም እንተኣትዩናን ተዋጊእና ክነሸንፎ ተዘይክኢልናን ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ብርሰት ከስዕብ ዝኽእል ኩነታት ክፍጠር ይኸእል እዩ፡፡ ዝኾነ ህዝቢ እንተተዳኺሙ ዓብዪ ናይ ሞራልን ስብእናን ኪሳራ እዩ ዝገጥሞ፡፡ ሞራሉ ዝወደቀ፣ ስብእና ዘይብሉ ህዝቢ ድማ ዝመፀ ሓይሊ ዘበሳብሶ፣ ዘናሽዎ፣ ሰዋርዶን ዝጉንፆን እዩ ዝኸውን፡፡ ስለዚ እዚ ሕማም ተዋጊእኻ ዘይምሽናፍ ማለት ህዝቢ ትግራይ ብተሪር ቅልፅሙ ዘረጋገፆ ዓወትን ረብሓን ናብ ሓመድ ዝለውስ ኩነታት እዩ ክፍጠር፡፡ እዚ ብጋንኡ ተዘይተኸላኺልናዮን ተዋጊእና ተዘይስዒርናዮ ደለናዮ ኣይደለናዮ ዝተርፍ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ካብ ተዋጊእኻ ስዒርካ ምውፃእ ካሊእ መማረፂ ኣይብልናን፡፡ ስዒርካ ንምውፃእ ድማ ኩሉ ግዜ ድሉው ኩሉ ግዜ ጥንቁቅ ምዃን ይሓትት፡፡   
እቲ ካሊእ ሓደጋ ኣብ ሞንጎ ወድብናን ህዝብናን ዘሎ ጠንካራ ምትእስሳር ናብ ቀጢን ፈትሊ ክልወጥ ከይዱ ከይዱ ድማ መንሚኑ ክብጠስ ዝገብር ኩነታት እዩ ክፍጠር፡፡ እዚ እውን ዘይሩ ዘይሩ ህዝቢ ትግራይ መራሒ ዘይብሉ ክተርፍ፣ ናብ ዕንይንይ፣ ደርበስበስን ፅልምትምትን ክኣቱ ዝገብር ኩነታት እዩ ዝፍጠር፡፡ ፍትሓዊ ስርዓት ክሃንፅ ዝተቃለሰ፣ ቀያሕትን ፀለምትን ደቁ ዝኸፈለ ጅግና ህዝቢ ብሰንኪ ነዚ ተላባዲ ሕማም ዘይምክልኻሉ ዝፍጥር ሓደጋ ታሪኻዊ ክሕደት ምዃኑ ኣይቀርን፡፡ ምኽንያቱ ጥዕንኡ ውሑስ ንምግባር፣ ፍትሒ ንምርግጋፅ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣደዳ መጥቃዕቲ እዚ ሕማም እንተገይርናዮ ኣብ መቃብር ደቁ ዳንዴር ክበቁል ዝገብር ታሪኻዊ ስሕተት ስለ ዝኾነ፡፡ ከምዚ ዝበለ ኪሳራ ከየጋጥም ሐዚ እውን ለይትን ቀትርን ነቂሕኻ ምሕላው፣ ምክልኻልን ብዝኾነ ኣጋጣሚ እንተኣትዩ ድማ ቀልጢፍካ ንምቁፅፃር ምግዳልን እዩ፡፡ ካብዚ ወፃእ ካሊእ መማረፂ የለን፣ ዕፁው መንገዲ እዩ፡፡
ሓይልታት ምድሕርሓርን ትምክሕተኛታትን ከም ድላዮም ክዕንድሩ ዝፈጥረሎም ዕድል ገፊሕ ክኾን እዩ፡፡ እዚ ሕማም ኣቐዲምና ብምድላው ተዋጊእና ተዘየሸኒፍናዮ  መፃኢ ጉዕዞ ህዝቢ ትግራይ ተጓዕፂፁ ክተርፍ፣ ዳግም ንዘበናት ኣብ መከራን ሓሳርን ዘንብር ኩነታት ክፍጠር እዩ፡፡ ኣብ ዓለም ቁፅሪ ሓደ ኢኮኖሚን ኣመና ርሒቁ ንቅድሚት ዝተወንጨፈ ቴክኖለጂን ዝተዓጠቃ ምዕቡላት ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ከመይ ዝበለ መቅዘፍቲ የውርደለን ከምዘሎ ኩልና እንሪኦ ዘለና እዩ፡፡ እዚ ናባና ኣትዩ ሰብ ምውሳድ እንተጀሚሩ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከም ዝፍጠር ምግማት ይከኣል እዩ፡፡ ተዓጢቅና እንተኣቲናዮ ከዓ ኣብ ዓለም ተወዳዳሪ ዘይብሉ ውፉይ፣ ዝበልካዮ ዝሰምዕ ፃዕራም ህዝቢ ኣለና፡፡ ንህዝብና ብሰራዊታዊ ምንቅስቃስ እንተመሪሕናዮ ምስ ዓለም ተወዳዲርና ክነሸንፍ ኢና፡፡ ምኽንያቱ ምክልኻል እዚ ሕማም ዓለማዊ እዩ፡፡ እቲ ውድድር እውን ዓለማዊ እዩ፡፡ ስለዚ ነዚ ሕማም ተዋጊእና አንተተዓዊትና ታሪኽና ኣብ ዓለም ኣደባባይ ክኹላዕ እዩ፣ እንተተሳዒርና ና ድማ ሓደገኡ ብብኡ ልክዕ ከቢድ እዩ፡፡ ስለዚ ከም ህዝብን ውድብን ብልዑል ተወፋይነትን ወነን ክንጋደል ግድን ዝኾነሉ ኩነታት እዩ ዝፍጠር ዘሎ፡፡
ኣብ ከምዚ ዝበለ ፅንኩር ኩነታት መላእ ኣመራርሓና፣ ኣባልናን ህዝብናን ብፅኑዕ ድስፕሊን ተረባሪቡ ስዒሩ እንተወፅዩ ድማ መስተንከር ሰራሓይነቱ ዳግም ከረጋግፅ እዩ፡፡ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝለዓለ ጫፍ ክሰጋገር፣ ሓፂናዊ ጥንካረ ክሕዝ ዝገብር እዩ፡፡ ድሕንነት ህዝብና ውሑስ ክኸውን ካብ ዝኾነ ኩርናዕ እናተልዓለ ዝትንክፎ ኣብዚ ዞባ ማንም ዕሕሕ በሃሊ ዘይብሉ ህዝቢ ኮይኑ ክነብር እዩ፡፡  
እቲ ካሊእ ብ ሞንጎ ውድብናን ህዝብናን ተፈጢሩ ዘሎ ምትእስሳር ሓፂናዊ ጥንካረ ክሕዝ እዩ፡፡ ግንነትን ፅንዓትን ህዝቢ ትግራይ መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ኣብ ቅድሚ ዓለም ተኾሊዑ ክወፅእ እዩ፡፡ ፀላእቱ ዳግም ከመዘይትስኡ ተስፋ ቆሪፆም ዝነብርሉ ክነታት ክፍጠር እዩ፡፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ከምቲ ኣብ መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ በዓል 11 ለካቲት ዝተፈጠረ ማዕበል ስዒቡ ዝተፈጠረ ምልዕዓልን እዚ ህዝቢ መን እዩ ክብሉ ዝተገደዱ ሐዚ እውን ዳግም ናብ ፅንዓትን ምርምርን ክኣትዉ ክገብሮም እዩ፡፡ ስለዚ ዘለና መማረፂ እንታይ እዩ? ብ ተዋጊእኻ ፈንቂልካ ምውፃእ ካሊእ ኣማራፂ ኣለናዶ? ናይ ኩላትና መልሲ ኣይብልናን ዝብል እዩ፡፡ ምእንተዚ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ገመዳዊ ምትእስሳር ፈጢርና ድሕንነት ህዝብና ውሑስ ክንገብር ንውፈር፣ ንጋደል፡፡
ውዑይ ምርብራብ ንምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ!!

መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ!!

ቤት ፅሕፈት ህወሓት
መጋቢት 2012 ዓ/ም
መቐለ

No comments:

Post a Comment

Quick Guide to Every Herb and Spice in the Kitchen – በማድቤት ውስጥ የእያንንዱ ቅጠል እና ቅመም ፈጣን መመርያ

ደረቅ ቅጠሎች እና ቅመሞች አሳፎቲዳ (አሳፌቲዳ) – አሳፎቲዳ በህንድ አመጋገብ ውስጥ የምግብ መፈጨትን ለመርዳት የሚጠቅም ሲሆን የበሰለ ዝንጅብል ሽንኩርት ቃና ያለው ጠንካራ ሽታ አለው፡፡ አቾቴ ማጣበቂያ እና ዱቄት ...