Wednesday, March 20, 2019

ቅዱስ ሚካኤል – መኑ ከም እግዚአብሔር / Qdus Michael

ቅዱስ ሚካኤል – መኑ ከም እግዚአብሔር / Qdus Michael
ካብቶም ረቀቕቲ ፍጥረታት እግዚአብሔር፡ መላእኽቲ እቶም ቀዳሞት እዮም። ኣብታ ቀዳመይቲ ዕለት (እሑድ – ሰንበት) ድማ እዮም ተፈጢሮም። መላእኽቲ ግዙፋን ዘይኮኑ ረቀቕቲ መናፍስቲ እዮም። ብተባዕታይ ጾታ ይጸውዑ ደኣ እምበር ትእምርቲ ጾታ ዘይብሎም ቍጽሮም’ውን ክንዲ’ዚ ክበሃል ዘይከኣል ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። በብነገዳቶም ዝተኸፋፈሉን ነናቶም ኣገልግሎት ዘለዎም ከኣ እዮም። ሓንሳብ ምስ ናጻ ፍቓድ ብነባቢ አእምሮ ተፈጥሩ ደኣ እምበር ዝባዝኁን ዝውለዱን ዝዋለዱን ኣይኮኑን። ንባህርየ ተፈጥሮኦም ሞት ዝሰማምዖ ስለ ዘይኮነ፤ ሓንሳብ ምስ ተፈጥሩ ዘለኣለማውያን እዮም።
ዝተፈጥሩሉ ዕላማ ድማ ንኣገልግሎትን ምስጋናን እዩ፤ እቲ ኣገልግሎት ድማ ንእግዚአብሔር ስለ ዝኾነ ዓይነቱ ብዝኅ ጨናፍሩ ድማ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ካብን ናብን እግዚአብሔር እናተመላለሱ ንደቂ ሰባት ይራድኡ። ቅዱሳን መላእኽቲ ንምሕረት፡ ንሰላም፡ ንረድኤት፡ ንብስራት ወዘተ ዝለኣኹ እኳ እንተኾኑ ንመቅሰፍትን መዓትን ንቍጥዓውን ወዘተ ዝለኣኹሉ ጊዜ ኣሎ። ንዝተጸገመ ይረድኡ ንዝሓዘነ የጸናንዑ፡ ኣብ መከራ ንዘሎ ጸገሙ የቃልሉ፤ ኮታ ኣብ ኵሉ ድኅነት ወዲ ሰብ ዝራድኡ እዮም። (ዕብ 1፡14/፩፥፲፬ ,መዝ 90፡11/ ፺፥፲፩) ነቶም ዘይእዘዙን ብኣንጻርነት ንዘለዉን ድማ ድኅሪ ትዕግሥቲን ተግሳጽ ዘይምስማዕን መዓት የዝንቡ፤ መቕሰፍቶም የውርዱ።
ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም 7ተ ሊቃነ መላእክት እዩ (ጦቢ 12፡15/ ፲፪፥፲፭ ራእ 8፡2/፰፥፪ 12፡7/፲፪፥፯) ከም ቅዱስ ገብርኤል (ሉቃ 1፡19/፩፥፲፱)፡ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል’ውን ኣብ ቅድሚ ዙፋን እግዚአብሔር ካብ ዝቖሙ ልዑላን መላእኽቲ ሓደ እዩ። (ሄኖ 10፡5/፲፥፭)
ናይ ስሙ ትርጉም
ሚካኤል ማለት ብቋንቋ ዕብራይስጥ ኮይኑ መኑ ከማከ (መን ከም ኣምላኽ) ማለት እዩ። ‘ሚ’ ማለት መን እዩ፤ ‘ካ’ ማለት ኸኣ ከም ዝብል ትርጉም ዝህብ ኮይኑ ‘ኤል’ ማለት ኣምላኽ ማለት እዩ። ስለዚ ሚካኤል ማለት ‘መን ከም ኣምላኽ’ ዝብል ትርጉም ዝህብ ስም እዩ።
ቅዱስ ሚካኤል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብስም ተፈልዮም ካብ ዝተጠቕሱ ኣሕሉቕ መላእኽቲ ሓደ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ንእስራኤላውያን ብዝገበሮ ረድኤት ሓላዊ መልኣኽ ከምኡውን መጋቢ ብሉይ ተባሂሉ ይፍለጥ። ይኹን ደኣ እምበር ኣብ መጽሓፈተ ኦሪት፡ ሙሴ ብስም ፈልዩ ሚካኤል ኢሉ ኣይጥቀሶን ‘ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ’ ሓሓንሳብ’ውን ‘መልአከ ገጽ’ ብምባል ጠቒስዎ ኣሎ። ኣብ ካልኦት’ውን ከምኡ፤ ንኣብነት ኣብ መጽሓፈ ኢያሱ “ሓለቓ ሰራዊት” ኢሉ ጠቒስዎ ይርከብ (ኢያ 5፡15/፭፥፲፭)
ኣብ ሓዲስ ኪዳን’ውን ከምኡ ኣብ ገሊኡ ስሙ ተጠቒሱ ክጸሓፍ ከሎ ኣብ ገሊኡ ድማ ሊቀ መልኣክት ብዝብል ብስም ማዕርጉ ይጠቕሶ። ንኣብነት ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ‘ሊቀ መላእኽቲ’ ክብል ክጠቕሶ ከሎ (1ተሰ4፡16/ ፬፥፲፮) ሓዋርያ ይሁዳ ግና ነቲ ኣብ ብሉይ ዝተፈጸመ ታሪኽ ስጋ ሙሴ ኣብ ዝገለጸሉ ብስሙ ጠቒስዎ ይርከብ (ይሁዳ1፡9/፩፡ ፱)
ቅዱስ ሚካኤል ብስም ተነጺሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቐስ እተጀመረ ኣብ መጽሓፈ ሄኖክ እዩ፤ (ሄኖ 6፡1-7/፮፥፩-፯) ቀጺሉ ድማ ኣብ ትንቢተ ዳንኤል እዩ (ዳን 10፡13/፲፥፲፫ ዳን10፡21/፲፡፳፩, ዳን12፡1/ ፲፪፥፩)። ብዘይካ እዚ’ውን ኣብ ኣዋልድ ብሉይ ኪዳን ዝኾና መጻሕፍቲ ከም እኒ ኪዳነ ሌዊ (5፡6/፭፥፮) ኪዳነ አብርሃም (11/፲፩) ስሙ ብብዝሒ ተጠቒሱ ይርከብ።
ስለዚ ቅዱስ ሚካኤል ስሙን ግብሩን ሞይኡን ኣብ ዘመነ ብሉይ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓድሽ ብንጹር ዝተገልጸ ሊቀ መልአክ እዩ። ከምቲ ንማኑሄ ዝነገሮ ስሙ ድማ ‘መንክር’ እዩ።
ገለ ካብ ኣገልግሎቱን ተራድእነቱን
ቅዱስ መጽሓፍ፡ ቅዱስ ሚካኤል ዘለዎ ክብርን ኣገልግሎትን ዝለዓለ ምዃኑን፡ ካብ ፍጥረተ ዓለም ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ዘመንን እናተረኽበ ዝፈጸሞም ነገራት ብዙኃት ምዃኖም የረዳኣና እዩ። ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ንሕዝበ እግዚአብሔር ብዙኅ ናይ ረድኤት ስራሕ ሰሪሑ እዩ። ቅሩበ መንበር ዝኾነ ቅዱስ ሚካኤል ርኅሩኅ፤ ገባሪ ተኣምራት፤ ይቕረ በሃላይ ካብ መዓት ዝረሓቐ እዩ። (ሄኖ10፡12/ ፲፥፲፪, ሄ 6፡2/ ፮፥፪) ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ቅዱስ ሚካኤል ምእንቲ ሕዝቢ ዝራዳእ፤ ጸገም ሕዝቢ ዝፈትሕ፤ ምእንቲ ምሕረት ሕዝቢ ድማ ንሰይጣን ዝቓወምን ንእግዚአብሔር ዝልምንን እዩ። ኣብ መጽሓፈ ሄኖክ ብዛዕባ ቅዱስ ሚካኤል ዘለዎ ተራዳእነት ክገልጽ ከሎ “ሰብ ብዝገበሮ ነገር ንሕዝቡ ተኣዛዚ እዩ እሞ ካብቶም ዝኸበሩ መላእኽቲ ሓደ ሚካኤል እዩ” ይብል (ሄኖ 6፡5/ ፮፥፭) ሰማያዊ መልኣኽ ክንሱ ንዝተጨነቑ ዘረጋግእ፤ ንዝተጸገሙ ዝረድእ ገባሪ ሰናይ ስለዝኾነ ቅኑዕ ሓላዊ፡ ተኣዛዚ ተባሂሉ። ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር፡ ምእንቲ ሕዝበ እግዚአብሔር ዘማልድን ምሕረት ዝልምንን መልኣኽ እዩ። ኣብ ዕርገተ ኢሳይያስ’ውን ተገሊጹ ከምዘሎ ቅዱስ ሚካኤል ንቅዱሳን ኣብ ጊዜ ጸገሞም ይራድኦም እዩ። ጸሎቶም ናብ እግዚአብሔር የቕርብ። ንኃጥኣን ድማ ስርየተ ኃጢኣት ምእንቲ ክረኽቡ ይተግህ። ንሕዝበ እግዚኣብሔር ደው ዝብለሎምን ዝምጉተሎምንን ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ድማ ኃይሊ ዝኾኖም እዩ (ዳን 12.፡1/፲፪፥፩) ንሰባት ኣብ ዝኾነ መንፈሳዊ ይኹን ስጋዊ ጸገማቶም ይራድኦም እዩ (ዳን10፡13/፲፥፲፫)። ካብ ሓዘኖም’ውን የጸናንዖም እዩ (ዳን ፲፥፳፩) ኣብ ልዕሊ ሕዝበ እግዚአብሔር ንዝትሥኡ ጸላእቲ ይቃወምን ይግስጽን። እዞም ጸላእቲ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝተባህሉ ድማ ሰይጣናትን ሰዓብቶምን እዮም። (ራእ `12፡7/ ፲፪፥፯ ይሁዳ1፡9/፩፡፱)።
ቅዱስ ሚካኤል ነቶም ብእግዚአብሔር ዝእመኑ ረድኤትን ምሕረትን ከምጽእ ከሎ፡ ነቶም ብኣንጻር ዘለዉ ድማ መዓት ዘውርድ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ዘረድኣና’ውን እዩ። ንፈርዖንን ሰራዊቱን፡ ንሰናክሬምን ሰራዊቱን ዝወረዶም መቕሰፍቲ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። (2 ነገ 19/ ፲፱) ስለዚ ንእስራኤል መልአከ ምሕረት፡ ንግብጻውያን መልአከ መዓት፤ ንሕዝቅያስ መልአከ ሳ+ሕል፡ ንሰናክሬም መልአከ ኃጉል ኮይኑ ከም ዝተለኣኸ ንጹር ኣብነት እዩ።
ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ዘመናት ንሰባት ዝፈጸሞ ተራዳእነት ተጸብጺቡ ዝውዳእ ኣይኮነን። ንበረኸት ክኾነና ንውሑዳት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ዘቋደሱና ኣብዚ ክንጠቕስ ኢና።
ዘመነ ኦሪት
ሕዝበ እግዚአብሔር ዝተባህሉ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ን430 ዓመታት ኣብ ባርነት ተቖሪኖም ድኅሪ ምንባሮም፡ ብዝደንቕ ተኣምራት ካብ ኢድ ፈርዖን ሓራ ክወጹ ከለዉ ክሕልዎምን ክራድኦምን ካብ እግዚአብሔር ዝተመደበሎም ቅዱስ ሚካኤል ነበረ። ብኸምዚ መገዲ ድማ እናተላኸ ብዘደንቕ ተኣምራት ረዲእዎም እዩ። ቀትሪ ብደመና ለይቲ ድማ ብዓምደ ብርሃን እናገበረ ዝመርሖም ዝነበረ’ውን ንሱ እዩ። ኣብ መወዳእታ’ውን ባሕረ ኤርትራ ተኸፊሉ ክሳገሩ ከለዉ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ተራዳኢነት ከምዝነበረ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘጸ14ን 15) ኣብዚ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ‘መልኣኽ እግዚአብሔር’ እናበለ ስሙ ከየጠቐሰ ይሕለፍ ደኣ እምበር፤ እቲ ንእስራኤላውያን ዝራዳእ ዝነበረ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ መጻሕፍተ ትርጓሜ ቤተ ክርስቲያን ዘንጽርዎ እዩ። ቅዱስ ያሬድ’ውን ኣብ ናይ ዘመነ አስተምህሮ ድጓ ከምዚ ክብል ገሊጹ ጽሒፍዎ ኣሎ። “መርሖሙ መዐልተ በደመና ወኵሎ ሌሊተ በብርሃነ እሳት ወአውጽኦሙ ለሕዝቡ በትፍሥሕት ፈነወ መልአኮ ወአድኃኖሙ እንዘ ሚካኤል የሐውር ቅድመ ትእይንቶሙ ለእስራኤል” (ቀትሪ ብደመና ለይቲ ድማ ብብርሃነ እሳት መርሖም። ነቲ ሕዝቢ’ውን ብሓጐስ ኣውጽኦም፤ መልኣኹ ልኢኹ ኣድኃኖም። ንሱ ኸኣ ቅዱስ ሚካኤል ክኸውን ከሎ ቀቅድሚ እስራኤል ይኸይድ ነበረ።)
ሙሴ ኣብ ኣብ ደብረ ሲና ሕጊ ካብ እግዚአብሔር ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን፡ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ሞንጎ እግዚአብሔርን ሙሴን ብምዃን ኣገልጋሊ ከም ዝነበረ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተጠቒሱ ኣሎ። (ኩፋ 2፡1/፪፥፩) ብብዙሕ ተኣምራት ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ መሪሑ ንዘውጽአ ሙሴ፤ እቲ ሕዝቢ ኣዝዩ ይፈትዎ ስለዝነበረ፡ ድሕሪ ምማቱ ነቲ ካብ ሰብ ክውል ዝነበረ መቓብር ሙሴ፡ ዲያብሎስ ንሕዝቢ መሪሑ ከርእዮምን ባዕድ ኣምልኾ ከስተምህሮምን፡ ብኸምኡ ድማ ምስ እግዚአብሔር ከባእሶምን ኣብ ዝፈተነሉ ዝተኸራኸሮን ዝገሰፆን ቅዱስ ሚካኤል እዩ ነይሩ (ይሁዳ 1፡9/፩፱)።
ዘመነ መሳፍንት
ድኅሪ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ነቲ ሕዝቢ መሪሑ ምድረ ርስቲ ከውርሶም ዝተተከአ ኢያሱ’ውን ተራዳኢነት ቅዱስ ሚካኤል ረኺቡ ነበረ። ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ ምስኡ ከምዝኸውን እግዚአብሔር ቃል ኣትዩሉ ስለዝነበረ፤ ንቅዱስ ሚካኤል ሰዲዱ ንሕዝቡ ይራዳእ ነበረ። ኣብ ቅድሚ መንገዶም ንዝነበሩ ጸላእቶም የጥፍኣሎምን፤ ኃይሊ ይህቦምን ኸኣ ነበረ (ኢያሱ 5፡13/ ፭፥፲፫፤ ስንክሳር 12/፲፪ ኅዳር) እስራኤላውያን ንቀጽሪ ኢያሪኮ ኣብ ዘፍረሱሉ እዋን’ውን ዝተራድኦም ንሱ እዩ ፡ ምእንቲ ኢያሱ ዝተጣበቐን ዝሓለዎን ንሱ ቅዱስ ሚካኤል እዩ (ዘካ 3፡1/ ፫፥፩)።
ሳምሶን ከም ዝውለድ ንማኑሄ ዘበሰረ፤ ኵሉ እቲ እግዚአብሔር ኣብቲ ዝውለድ ሳምሶን ዝመደቦን ክኽተሎ ዘለዎ ናዝራዊ ስርዓትን ዝነገሮምን፡ ስሙ ድማ ድንቂ ምዃኑ ከዊሉ ዝነገሮምን ቅዱስ ሚካኤል እዩ ነይሩ (መሳ 13፡15/ ፲፫፥፲፭)።
ዘመነ ነገስትን ዘመነ ነቢያትን
ኣብ ልዕሊ እስራኤልን መራሒኡ ሕዝቅያስን፡ ከምኡውን ኣምላኾም እግዚአብሔርን ዘባጨወን፡ ንእስራኤል ክድምስስ ዝመጸ ሰናክሬምን ሚእቲ ሰማንያን ሓሙሽተ ሽሕ ሰራዊቱን ዝደምሰሰ ቅዱስ ሚካኤል ነበረ (2ነገ 19/፲፱)። ካብ መፈንጠራ ጸላእቶም ንእስራኤላውያን ዘድሓኖም ዝነበረ እዚ ልዑል መልኣኽ እዩ (ዳን 10፡13-21/ ፲፥፲፫-፳፩)።
ንነቢይ ዳንኤል’ውን ኣብ ባቢሎን ከሎ ዝተራድኦ ቅዱስ ሚካኤል እዩ። ነቢይ ዳንኤል ኣብ ጐድጓድ ኣናብስ ተደርብዩ ከሎ ስንቂ ኣትሒዙ ንዕንባቆም መሪሑ ናብ ባቢሎን ዘብጽሖ ቅዱስ ሚካኤል እዩ (ተረፈ ዳን 13፡35-38/፲፫፥፴፭-፴፰)። እስራኤላውያን ኣብ ዝበደሉሉን ዝተማረኹሉን ዝልምን ዝነበረን ዘጸናናዕ ምላሽ ካብ ኣምላኽ ዝረኸበን ምሕረት ዘውሃበን ቅዱስ ሚካኤል እዩ ነይሩ (ዘካ 1፡12 ፩፥፲፪)።
ብመሰረት ትውፊትን ትምህርቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅን፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ’ውን ኣብ ጊዜ ትንሳኤ ንመግደላዊት ማርያምን ቅዱሳን ኣንስትን ነቲ እምኒ መቃብር ጐይታ ዝገምጠለ (ማቴ 28፡2/ ፳፰፥፪)፤ ንቅዱስ ጴጥሮስ ሰንሰለቱ ፈቲሑ ካብ ቤት ማሕቡስ ዘውጽኦ (ሓዋ 12፡7-11/፲፪፥፯-፲፩)፤ ንቆርኔሌዎስ ኣብ ጸሎቱ ዝተገልጸሉን እንታይ ከምዝገብር ዝነገሮን ቅዱስ ሚካኤል እዩ ነይሩ (ሓዋ 10፡3/ ፲፥፫) ።
መፈጸምታ ዓለም
ኣብ መፈጸምታ ዓለም’ውን ነቶም ጽኑዓት ምእመናን ካብ ሓሳዊ መሲሕ ከም ዝሕልዎም ትንቢት ዝተነግረሉ ሕጂ’ውን ሊቀ መልአክ ቅዱስ ሚካኤል እዩ (ዳን 12፡1/፲፪፥፩)። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጻድቃን ብየማን፡ ንኃጥኣን ድማ ብጸጋሙ ንኸቕውም ብቅዱሳን ኣእላፍ መላእኽቱ ተዓጂቡ ንፍርዲ ኣብ ዝመጸሉ፤ እቲ ቀቅድሚኡ እንሰምዖ ናይ ዳግም ምጽኣት ድምፂ መለከት ናይ ቅዱስ ሚካኤል እዩ (1ተሰ 4፡16/ ፬፥፲፮)።
ብሓፈሻ ኣብ ላዕሊ ገለ ውሑዳት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቐስና እምበር ኣቦታትና ንተኣምራቱን ተራዳእነቱን ብሕይወቶምን ሕይወት ካልኦትን ካብ ዝረኣይዎ ብሰፊሑ ጽሒፎሞ ይርከብ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ኣብ ድርሳነ ሚካኤል፤ ናይ 12/፲፪ ኅዳርን ሰነን ስንክሳር፤ መጻሕፍተ ገድሊ፤ ድጓን ካልኦትን ብብዙኃን ኣቦታት ተጠቒሱ ይርከብ። ካብኣቶም ዝቐደሙ አበው ሊቃውንት ብዛዕባ ተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ዝገለጹ ድማ ከም እኒ ኣባ እንጦንስ፡ ኣባ መቃርዮስ፡ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ ኤዎስጣቴዎስ ዘአንጾኪያ፡ ቅዱስ ያሬድ፡ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ፡ ክርስቶስ ሳምራ፤ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ወዘተ ክጥቀሱ ይከኣል።
ክብረ በዓል
ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ቅዱስ ሚካኤል ካብ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎ መልኣኽ እዩ። ብኣማላድነቱን ተራዳኢነቱን ዝእመነሉ መልኣኽ ስለዝኾነ ድማ ወርሒ መጸ ዕለት 12/ ፲፪ ብዓቢይ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ይኽበር።
ሎሚ 12 ሕዳር በዓለ ቅዱስ ሚካኤል ብፍሉይ ብዓቢ ድምቀት እነብዕሎ እምበኣር፥ ከምቲ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና “ኣብ መገዲ ክሕልወካ ናብቲ ዘዳለውኽዎ ቦታ ድማ ከእትወካ፡ እንሆ ኣነ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ይልእኽ ኣለኹ። ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ ድምጹ ድማ ስማዕ። እምቢ ኣይትበሎ። ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ ንበደልካ ኣይክሓድገልካን ኢዩ ”(ዘጸ 23፡20) ብዝበሎ እሙን ቃል መሰረት ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ እናመርሐን እናሓለወን ናብታ ምድረ ተስፋ ስለ ዘእተዎም እዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ እግዚኣብሔር ንሊቀ ነቢያት ሙሴ፡ ቃል መልኣኽ እንተ ድኣ ሰሚዑን እምቢ እንተድኣ ዘይኢልዎን ንጸላእቱ ክጻረሮም ናብ ምድሪ ተስፋ ድማ ከእትዎ ምዃኑ ዝነገሮ፡ ንኹሎም እቶም ኣብ መገዲ ዝረኸብዎም ኣሕዛብ እንዳ ሰዓረ ብሰላም ናብ ዝዓርፍሉ ስፍራ ኣብ ጺሕዎም ኢዩ (ኢያ 5፡13-15, ግ.ሓ 7፡34)።
በዚ ዕለት’ውን ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ልዕሊ ኩሎም ቅዱሳን መላእኽቲ ሓለቓ ኮይኑ ዝሰተሸመሉ ዕለት ኢዩ። ስለ ትሕትንኡን ክብሩን ድማ በዚ ዕለት እና ተኸበረ ይነብር።
ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ከም ኩሎም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ብዙሕ ዝኾኑ ድንቂ ተኣምራት ዝፈጸም ሓያል መልኣኽ ኢዩ። እንሆ በዛ ቅድስት ዕለት እዚኣ ካብ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ዱራታኦስን ቴዎብሲታን ዓቢ ናይ በረኸት ተኣምር ዝፈጸመሉ ዕለት ኢዩ። ዱራታኦስን ቴዎብሲታን ብቕድስና ዝነብሩ ኩሉ ግዜ ዓመት መጸ ድማ በዛ ቅድስት ዕለት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ዝክር ዝገብሩ ኣፍቀርቲ መልኣከ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዓመታዊ ዝኽሪ ክገብሩ ኣብ ዝቀራረብሉ ዝነበሩ ግዜ ኣብታ ሃገር ዓቢ ጥሜት ኣጋጠመ። ዝገብርዎ ድማ ጠፍኦም። እንሆ ከኣ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዝኽሪ ንምግባር ዝነበሮም ክዳውንቲ ክሸጡ ግዲ ኮነ። ዱራታኦስን ቴዎብሲታን ናተይ ክዳን ይሸየጥ ናተይ እባ ተበሃሃሉ ኣብ መወዳእታ ከኣ ዱራታኦስ ክዳን ናይ ሰበይቱ ቴዎብሲታ ሒዙ ናብ ዕዳጋ ተበገሰ። እቲ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ከምቲ ንኢያሱ ዝተራእዮ፡ በዓል ስልጣን ወተሃደር መሲሉ ተራእዮ (ኢያሱ 3፡13-15)። ናበይ ድኣ ትኸይድ ኣለኻ ክብል ክኣ ተወከሶ። ዱራታኦስ ድማ ምኽንያት መኼድኡ ዝሕረድ በጊዕን ንመግቢ ዝኸውን እኽልን ክዕድግ ምዃኑ ገለጸሉ። ቅዱስ ሚካኤል ድማ “እንሆ ናብቲ ዋና ኣባጊዕ ኪድ ሃበኒ በሎ ክህበካ ኢዩ፡ ናብቲ በዓል እኽሊ ስርናይ ድማ ኪድ ክህበካ ኢዩ፡ ናብቲ በዓል ዓሳ’ውን ኪድ ንሱ’አን ክህበካ ኢዩ፡ ውራይካ ምስ ኣሕለፍካ ከኣ ክትከፍሎም ኢኻ፡ እቲ ስርናይ ንመግቢ ይኹንካ፡ ነቲ በጊዕ ድማ ሕረዶ፡ ነቲ ዓሳ ግና ኣነ ከይመጻኹ ኣይትሕረዶ” ኢሉ ኣፋነዎ። ከምቲ ዝበሎ ድማ ኩሉ ኮነሉ። ናብ ቤቱ ምስ ከደ ድማ እቲ ውሑድ ዝነበረ ኣዝዩ በርከተሎም። በዚ ዘደንቕ ስራሕ ድማ ኣዝዮም ተገረሙ ንኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ። ብኸምዚ ከኣ ነቲ ብዘይ ምቁራጽ ኩሉ ግዜ ሕዳር ዕለት 12 ዘብዕልዎ ዝነበሩ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ብጽቡቕ ኣሕለፍዎ። ብድሕሪ’ዚ ቅዱስ ሚካኤል ከምቲ ኣቐዲሙ ንዱራታኦስ ዝተራእዮ ኮይኑ ናብ ቤቶም መጸ። ናብ ቤቶም ድማ ኣእተውዎ። ነቲ ኣቐዲሙ ከይትሓርዶ ኢልዎ ዝነበረ ዓሳ ድማ ክሓርዶ ከም ዘለዎ ነገሮ። እቲ ዓሳ እንተተሓርደ ድማ 303ብሩር ቅርሺ ኣብ ውሽጡ ኣጽንሐ። እቲ 300 ንዕኡ መናበሪ እቲ ዝተረፈ 3 ዲናር ከኣ ነቶም በጊዕ፡ ዓሳ፡ ስርናይ ዝሃብዎ ሰባት ዕድኡ ከፈለ። ብድሕርዚ እቲ ሓያል መልኣኽ ንሱ ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ ገለጸሎም ኣዝዮም፣ ከኣ ተገረሙ። ገዲፍዎም ድማ ናብ ሰማይ ዓረገ። ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን!!
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እምበኣር ነዚ ነገር እዚ እና ዘከረት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ክብረ በዓል ከተብዕል ትነብር ኣላ። ቅዱስ ሚካኤል፡ ከምቲ ንእስራኤላውያን ካብ ጸላኢኦም ዝኾነ ፎርዖን መሪሑን ሓልዩን ብሰላም ናብ ሃገሮም ዝመለሶም፡ ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወቶም ድማ ዝረድኦም፡ ንዓና ድማ ክረድኣና ክሕልወናን ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹን። ኣሜን።
ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ ክበሃል ምተኻእለ! ብሓጺሩ ግና ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ሓዲሽ ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ልዑል ጸጋን ክብርን፡ ዝፈጸሞምን ዝፍጽሞምን ዓበይቲ ተኣምራትን ተራዳእነትን ብዙሕ ስለዝኾነ በዓሉ ክኸበር ግብእ ምዃኑ ዝስሕት ሰብ ክህሉ ኣይግባእን። ማኑሄ’ውን ንቅዱስ ሚካኤል “እቲ ቃልካ ምስ ተፈጸመ። ምእንቲ ኸነኽብረካስ፡ ስምካ መን እዩ፧” ኢሉ ዝሓተቶ ንሕና’ውን ነቲ ኵሉ ዝፈጸሞ ነገራት ኣስተውዒልና ከነኽብሮ ይግባእና። ነዚ ኵሉ መሠረት ብምግባር ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብተን ብኣዋጅ ወርሓዊ ክበዓሉ ኢላ ካብ ዝሰርዓቶም በዓላት እቲ ሓደ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል እዩ። ብሓፈሻ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ፍጹም ኣገልጋሊ ስለዝኾነ ብእግዚአብሔር ንዝኣምኑ ኵሎም ምሕረት ዝለምን፡ ሰኣሌ ምሕረት ብምዃኑ ብግቡእ ከነኽብሮ ይግብኣና።
ሎሚ’ውን ቅዱስ ሚካኤል ንዝኣምንዎን ዘኽብርዎን ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ክራዳእ ይነብር ኣሎ። ትማሊ ንቅዱሳን ከም ዝተራድኦምን ከም ዝመስከሩሉን፡ ሎሚ’ውን ዝዛረበሉ ስኢኑ እምበር ተኣምራቱን ተራዳእነቱን ኣይተቋረጸን። እዚ ንሕና ዘሎናዮ ወለዶ ብዘየገድስ፡ እቲ ቃል እሙን እዩ እሞ ቅዱሳን ሰባት ኣግሂዶም ንቅዱሳን መላእኽቲ ስለቲ እተዋህቦም ቃል ኪዳን ንምዝራብ ድሕር ኣይበሉን። “መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር፤ የናግፎም ከኣ” (መዝ 34፡7/ ፴፬፥፯) ኸኣ ይብሉ። ምኽንያቱ ንሳቶም ተረዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ዝፈልጡ ስለዝኾኑ ሓቀኛ ምስክርነቶም እዮም ሂቦም። “ብጀካ ሚካኤል፡ እቲ መስፍንኩም፡ ሓደ እኳ ዝሕግዘኒ የብለይን።” (ዳን 10፡21 /፲፥፳፩) ፥ “እንሆ ኸኣ፡ ሚካኤል፡ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ፡ ንምሕጋዘይ መጸ” (ዳን 10፡13 /፲፥፲፫)።
ትማሊ ንናይ እግዚአብሔር ሕዝቢ ባሕሪ ከፊሉ ከም ዘሳገሮም፡ ሎሚ’ውን ካብ ኩሉ ሽግርን መከራን የናግፈና። ነቲ ዝኸቦምን መሕለፊ ዝስእኑሉ ኣብ ህይወቶም ዘጓንፎም መከራ ኵሉ ንሱ መንገዱ ከርእዮምን ክመርሖምን እዩ። ነቶም ዘኽብርዎን ዝዝክርዎን ኣብ ቅድሚ ጸላእቶምን ከሳሲኦምን ሰይጣን ከም ጠበቓ ይቖመሎም። ኣብ ኵሉ መንፈሳዊ ድልየቶም ይራድኦምን ካብ ሓዘን የጸናንዖምን እዩ፤ ነቶም ድኹማት ይራድኣና፤ ኣማላድነቱ ኣይፈለየና፤ ኣብ ጊዜ ጸገምና ድማ ብክንፈ ረድኤቱ ይጋርደልና። ንኢያሱ ዝተራደአ መልኣኽ ንዓና ውን ይርድኣና!
በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ሚካኤል ምሳና ጸኒዑ ይንበር። ኣሜን!
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!

No comments:

Post a Comment

Quick Guide to Every Herb and Spice in the Kitchen – በማድቤት ውስጥ የእያንንዱ ቅጠል እና ቅመም ፈጣን መመርያ

ደረቅ ቅጠሎች እና ቅመሞች አሳፎቲዳ (አሳፌቲዳ) – አሳፎቲዳ በህንድ አመጋገብ ውስጥ የምግብ መፈጨትን ለመርዳት የሚጠቅም ሲሆን የበሰለ ዝንጅብል ሽንኩርት ቃና ያለው ጠንካራ ሽታ አለው፡፡ አቾቴ ማጣበቂያ እና ዱቄት ...