Monday, March 18, 2019

ዛንታ ሕዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ #ኣክሱም††† ****ሰሎሞንን ንግስቲ ሳባን****

ሰሎሞን ኣብ እስራኤል ኣብዝነገሰሉ ዘመን ኣብ ኣክሱም ድማ ንግስተ ሳባ ነጊሳ ነበረት። ንግስቲ ሳባ ኸኣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዙሪያኣ ዘለዉ መንግስታ ከተጽንዕ ጀመረት። ካብ ኩሎም እቲ ኣቓልቦኣ ዝሰሓበ ግና ንጉስ ሰሎሞን ነበረ። ብፍላይ ከኣ ታምሪን ዝተባህለ ናይ ሳባ ነጋዳይ ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ብ1000 ዓመተ ዓለም ብ520 ኣግማል ቃፍላይ ጽዒኑ ናብ ኢየሩሳሌም እንዳኸደ ይነግድ ነበረ። ጥበብ ሰሎሞን ተመልኪቱ ድማ ንንግስቲ ሳባ ብዛዕባ ጥበቡ ነገራ። ንሳ ኸኣ እቲ ዝበሃል ኩሉ ብዛዕባ ሓቂ ምዃኑ ብዓይና ርኢያ ከተረጋግጽ ደለየት። ብዙኅ ገጸበረኀት ሒዛ ኸኣ ናብታ ናይ ዳዊት ከተማ ንኢየሩሳሌም ተበገሰት። ምስ ሙሉእ ኽብራ ኢየሩሳሌም ምስበጽሀት ከኣ ንጉስ ሰሎሞን ንኽብራ ዝግባእ ዓቢይ ኣቀባብላ ገበረላ። መዕረፊ ዝኾና ቦታ ድማ ርስቲ ገይሩ ሃባ። ስምእቲ ቦታ ኸኣ ዴር ዓል ሱልጣን ዝበሃል ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ቦታ እዩ። ንሱ ድማ ገዳም ኢትዮጵያ ዘለዎን ክሳብ ሕጂ ኸኣ ርስቲ ኢትዮጵያ እዩ። ሳባ ኀኣ ንኩሉ ጥበብ ንጉስ ረኣት ተደነቐት ከኣ። ካብቲ ብወረ ዝሰምዓቶስ እቲ ብዓይና ዝረኣየቶ ኣዚዩ ይበልጽ ነበረ። ንኣምላኽ እስራኤል ድማ ኣመስገነት። ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ብመልክዓን በቲ ጥበብ ደልያ ካብ ወሰን ምድሪ ምምጻኣን ርኢዩ ብኣኣ ኣዚዩ ተማረኸ ፈተዋ ድማ። ብግብሪ ኸኣ ፈለጣ ካብኡውን ጠነሰት። ዝገበረቶ ጻንሒት ወዲኣ ድማ ድኅሪ ናይ ኣዋርኅ ጉዕዞ ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢላ ናብ ምድራ ተመልሰት። ባሕሪ ሰጊራ ድማ ሓደ ስፍራ ምስ በጽሐት ሕርሲ ተታሕዘት። ክትወልድ እንከላ ድማ ሓንቲ ካብተን ኣዋለድቲ ዝኸነት ሰበይቲ ንመንጽሂ ዝኸውን ማይ ደልያ ነተን ኣግራዳ ማይ ከምጻኣላ ደልያ “ማይ በላ” ኢላ ተዛረበተን ስም እቲ ቦታ ኸኣ ክሳብ ሕጂ “ማይ በላ” ተባህለ። “ማይ በላ” ኣብ ማዕዶ ሓዘጋ ዝርከብ ቦታ እዩ። ኣብቲ ቦታ እቲ ወዲ ወለደት “እለ መለክ” ኢላ ኸኣ ስም ኣውጽኣትሉ። ትርጉሙ ድማ ወዲ ጥበበኛ ማለት እዩ። ብቋንቋ ዕብራይስጢ ኸኣ ቤን መለክ ይብልዎ ትርጉሙ ድማ ወዲ ንጉስ ማለት እዩ። እቲ ሕዝቢ ግና ሚኒሊክ ብዝብል ስም ክጽውዖ ጀመረ። ሳባ ናብ ርእሲ ከተማኣ ኣክሱም ኣተወት። ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣክሱም (ሰሜን ኢትዮጵያ) ብንጉሳት ዝመሓደሩ ኣርባዕተ ዓበይቲ ግዝኣታት ነበሮ። ንሳቶም ከኣ ካፋ ፥ስናር ፥ኖባን፥ የመንን ይባሃሉ። ሓድሕድ ንጉስ እዘን ግዝኣታት ድማ ንመፈለጥታ ንግስናኡ ብወርቂ ዝተገብረ ዘውድን ዘንጊ ወርቅን ነበሮም። ካብ ኣርባዕቲኦም ግና እቲ ናይ የመን ንጉስ ዝዓበየ ስልጣን ነበሮ። እቲ ኣብ ኣክሱም ዘሎ ንጉስ ነገስታት ድማ ንጉስ ነገስታት ምዃኑ ዝገልጽ ኣብ ማእከል ዘዉዱ ከም እንቋቁሖ ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ ሉል ነበሮ። ቀዳማዊ ሚኒልክ እንዳጎበዘ ከደ ቃርሳ ምጽዋት ድማ ኣዚዩ ይፈቱ ነበረ። ሚኒሊክ ዕድሜኡ ዕስራን ክልተን ምስገበረ ነቦኡ ኪርኢ ብኽብሪ ተዓጂቡ ንኢየሩሳሌም ከደ። ኣቦኡ ሰለሞን ድማ ንወዱ ኪቀባበሎ ብኽብሪ ወጸ። እንተኾነ ግና ሰሎሞን ኪፍትኖ ኢሉ ከማንም ሰብ ተኸዲኑ ኣብ ማእከል እቶም መኳንንቲ ደው በለ። ሚኒሊክ ግና ኣዲኡ ዝነገረቶ ምልክት ኣጽኒዑ ነበረ እሞ ነቦኡ ፈለጦ። ሰሎሞን ከኣ ምሳይ ዘይዓበኻ ክነስኻሲ ከመይኢልካ ፈሊጥካኒ ንስኻ እንታይ ኢላ ልኢኻትካ ኢሉ ተገረመ። ንወዱ ኸኣ ሓቑፉ ኸኣ ሰዓሞ። ቀዳማይ ሚኒሊክ ንሕገ ኦሪትን ስርዓተ መንግስትን እንዳተማህረ ምስ ኣቦኡ ጸንሐ። ንሱ ድማ ገለ ድኽመታት ኣመሓደርቲ ኪዕዘብ እንኮሎ ከየዐረየሲ ከቶ ብስቕታ ኣይኃልፎን ነበረ። ብዘይካ ኣቦኡ ሰሎሞን ድማ ብጥበብ ዝመዓራረዮ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ነቲ ሰብ ዚጎድእ ዘበለ ኣሰራርሓታትን ሕግታትን ድማ ምምዕርራይ ናተይ ኢሉ ሓዞ። በዚ ኸኣ ገለ ካብቲ ሕዝቢ ክድግፍዎ እንከለዎ ገለ ኸኣ ተቓወምዎ። ኣብ ሓደ እዋን ድማ ከምዚ ኣጋጠሞ ጥሪት ሓደ ድኻ ሰብኣይ ናብ ግራት ካልእ ሰብኣይ ኣትየን ሸዊት ግራቱ በልዓ እቲ በዓል ግራት ሰብ ድማ ከምቲ ሕጊ ናይታ ሃገር ነተን ጥሪት ናይቲ ድኻ ሰብኣይ ኩለን ወረሰን። እቲ ድኻ ሰብኣይ ድማ ብዓቢይ ድምጺ እናእወየ ናብ ወዲ ንጉስ ጠርዐ። ሚኒሊክ ከኣ ነቲ ዝጠርዕ ዝነበረ ሰብኣይ ቀሪቡ ጸገሙ እንታይ ከምዝኾነ ሓተቶ እቲ ሰብኣይ ከኣ ንኩሉ ነገሮ። ድኅሪ እዚ ሚኒሊክ ነቲ ወናኒ ግራት ነተን ዝወረሰን ጥሪት ክመልስን እቲ ድኻ ኸኣ ግምት ናይቲ ዝጠፍአ እኽሊ ገሚቱ ክኸፍልን ብምግባር ብኸምዚ ኣፋነዎም። ሰሎሞን ድማ ፍርዲ ወዱ ምስ ሰምዐ ኣዚዩ ተገረመ። እቶም ሕዝቢ ግና ወይ ንስኻ ወይውን ወድኻ ሓዴኹም ንገሱ እምበር ንክልተ ንጉስሲ ኣይንግዛእን ኢና ብምባል ናብ ንጉስ ሰሎሞን ጥርዓኖም ኣቕረቡ። ንሱ ሕጂ ንጉስ ዘይከውን ካብኮነ ግና ንዓዱ ይኺደልና በሉ። ሽዑ ንጉስ ሰሎምን ነቶም ሕዝቢ “በሉ እምበኣር ወደይሲ ዓዲ ኣለዎ። ነቲ በኹሪ ወደይ ንዓዱ ይኺድ ትብሉ ካብኮንኩም ድማ በዚ ነገር ክትሰማምዑ ኣሎኩም እዚ ኸኣ ወደይ ወዲ ንጉስ እዩ ወዲ ንጉስ ከኣ በይኑ ኣይከይድን እዩ እሞ ንስኻትኩምውን በኹሪ ደቅኹም ምስኡ ክትሰዱ ኢኹም” በሎም። እቶም ሕዝቢ ኀኣ በዚ ተሰማምዑ።

ንጉስ ሰሎሞን ድማ በቲ ጊዜ እቲ በሰሪ ኣሕዛባት ኣንስቱ ልቡ ናብ ጣኦት ኣዘምቢሉ ድሮ ንኣምላኹ ኣኅዚኑ ነበረ። ኣብ መንጽር ቤት መቕደስ ከኣ ቤት ጣኦት ኣስሪሑ ስለዝነበረ ኣምላኽ ነታ ታቦት ኪዳን ምስቶም ምስ ሚኒሊክ ወዱ ኪኸዱ ተመዲቡም ዝነበሩ እስራኤላውያን ሓቢራ ንኣክሱም ክትከይድ መዲቡ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ንሰሎሞን መንግስቱ ኣብ ጊዜ ሮብአም ወዱ ንክልተ ከምትምቀል ነገሮ። ሕዝቢ እስራኤል ድማ ንጣዖት ብምምላኽ ንኣምላኽ እስራኤል የኅዝንዎ ነበሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ሳዶቅ በኹሪ ወዱ ኣዛሪያስ ምስ ወዲ ሰሎሞን ሚኒሊክ ንኣክሱም ኪኸይድ ተመዲቡ ነበረ። ኣዛሪያስ ግና ንታቦት ጽዮን ካብዘለዎ ኃያል ፍቕሪ ዝተላዕለ ካብኣ ተፈልየ ከመይ ኢለ ክነብር እየ ኢሉ ይኃዝን ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ንቕንዕና ልቡን ዘለዎ ኃያል ፍቕርን ተመልኪቱ ለይቲ ብሕልሙ ንመልኣኹ ልኢኹ ከምዚ በሎ “በብዓመቱ ንኃቲያኣትኩም ዝቐርቡ ኣርባዕተ ማሕስእ ንኣኻ ፥ንኤልሚያኖስን፥ ናማክሪን ውሰድ ከምኡ ኸኣ ናይዚ ዓመት ኣርባዕተ ንጹሃን ኣባግዕ ውሰድ እሞ ንመስዋእቲ ኣቕርብ። ነቲ መስዋእቲ ምሕራር ምስፈጸምካ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሔር ከተውጽኣ ኢኻ። ከተውጽኣ ከለኻ ከመይ ከምትገብር ድማ ከርእየካ እየ። እዚ ካብ እግዚኣብሔር ኮይኑ እዩ እሞ። ሕዝቢ እስራኤል ብኣምልኾ ጣዖት ንኣምላኽ ኣቖጢዖሞ እዮም እሞ ንኪዳን ታቦቱ ካብኣቶም ኪወስዳ እዩ ”። ኣዛሪያስ ከኣ ካብ ድቃሱ ምስተበራበረ ኣዚዩ ተሓጎሰ ፧ ሕልናኡ ድማ በርሀ። ነቲ ዝራኣዮ ነገር ድማ ንኣኅዋቱ ነገሮም። ድኅሪ እዚ ኣብ ካልእ መዓልቲ ኣዛሪያስ ደቂሱ እንከሎ መልኣኽ እግዚኣብሔር ዳግማይ ተራእዮ ከምዚ ኀኣ በሎ “ደው በል ጽናዕ ንሓዉኻ ኤልሚያኖስን ኢብሳን ከምኡ ኸኣ ንማክሪ ቀስቅሶም ኣነ ኀኣ ንማዕጾ ቤት መቕደስ ክኸፍተልካ እየ። ንስኻ ኸኣ ነታ ኪዳን ታቦት ከተውጽኣ ኢኻ። ብዘይ ሕማምን ደዌን ከኣ ክትወስዳ ኢኻ። ኣነ ኸኣ ንዘልዓለም ምስኣ ክነብር ክመርሓካውን ካብ ኣምላኽ ተኣዚዘ እየ በሎ።” ኣዛሪያስ ከኣ ከምቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ዝበሎ ንኣኅዋቱ ሒዙ ናብቲ ቤት መቕደስ ከደ። ኣብኡ ምስበጽሀ ድማ ኣፍ ደጌታት እቲ ቤትመቕደስ ካብ ደጌ ክሳብ እቲ መንበረ ታቦት ተኸፊቱ ረኸብዎ። ናብቲ መቕደስ ከኣ ኣተው እታ ታቦት ኪዳን ድማ ካብ መንበራ ባዕላ ንላዕሊ ተንሰአት። ኣርባዕቲኦም ከኣ ነታ ታቦት ጸይሮም ናብ ቤት ኣዛሪያስ ወደሰድዋ። ኣብኡ ኸኣ መስዋእቲ ምሕራር ኣቕረቡ ዕጣን ድማ ዓጠኑ። ድኅሪ እዚ ቀዳማዊ ሚኒሊክ ንሕዝቢ እስራኤል ሒዙ ብግብጺ ኣቢሉ ንኣክሱም ጉዕዞኡ ቀጸለ። ኣብ ሩባ ተከዘ ድማ በጽሑ ድኅሪ እዚ ኣዛሪያስ ብፍቓድ ኣምላኽ ታቦት ጽዮን ምምጻኣ ንቀዳማዊ ሚኒሊክ ኣበሰሮ። ሚኒሊክ ከኣ ብዓቢይ ታሕጓስ ካብ ሰረገላኡ ተቐላጢፉ ብምውራድ ንታቦተ ጽዮን ተሳለማ። ንእግዚኣብሔር ከኣ ኣመስገነ። /ክብረ ነገስት44፥46-52/

ተዋጋእቲ እስራኤል ነቶም ምስ ሚኒሊክ ታቦት ኂዞም ዝኸዱ ሕዝቢ ንኸርክቡሎም ብኩሉ ሸነኽ ተጓየዩ። እንተኾነ ግና ንሓደ እኳ ኣይረኸቡን ታቦተ ጽዮን ንዘልዓለም ካብኣቶም ኣዚያ ርሒቓ እያ። ታቦተ ጽዮን ንኣክሱም ክትመጽእ እንከላ ብወርቂ ሰረገላ ተቐሚጣ ርእሶም ብዝጠምጠሙ ሌዋውያን ተዓጂባ ኣብ ርእሶም ድማ ኣኽሊል ብዝደፍኡ ካህናት ተኸቢባ ነይራ። ንግስተ ሳባ ኸኣ ወዳ ንታቦተ ጽዮን ኂዙ ይመጽእ ከምዘሎ ብስራት ምስ ሰምዔት እቲ ሕዝቢ ብዓቢይ ኽብሪ ንኺቕበላ ኣዋጅ ኣንገረት። ታቦት ጽዮን ኣኽሱም ምስ በጽሐት ድማ እቲ ሕዝቢ ነጋሪት እንዳሃረመ፤መለኸት እንዳነፍሀ ዓቢይን ንእሽቶን ብእልልታን ብዓቢ መንፈሳዊ ስነስርዓትን ተቐበላ።

ታቦተ ጽዮን ድማ ከም ጻሓይ እንዳብረኀት ንንግስተ ሳባ ተራእየታ፧ ንሳኀኣ ከም ንጉስ ዳዊት እንዳሰገደትን እልል እንዳበለትን ፍጹም ሓጎሳ ትገልጽ ነበረት። ንታቦተ ጽዮን ዚሕልዉ ሴፍ ዝተዓጥቁ ሰለስተ ሚእቲ ወተሃደራት ድማ መደበት። ታቦተ ጽዮን ኣብ931 ዓመተ ዓለም ብሊቀ ካህናት አዛሪያስ ኣብ ሃገረ ኣክሱም ኣብ ትሕቲ ደብራ ማክዳ ዝተባህለ እምባ እያ ዓሪፋ። እቶም ሕዝቢ ኸኣ ንገቢረ ተኣምራት እታ ታቦት ርኢዮም ካብ ክፍኣት ረሓቑ ንንጽህና ኸኣ ፈተዉ። ንእግዚኣብሔር ምምላኽ ድማ ባህሎም ገበሩ። ከምቲ ካብ እግዚኣብሔር ክልተ ጽላታት ንሙሴ ኣብዝተዋህበሉ ጊዜ ዝኾነ ዝመሽል ክብሪ ዳግማይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣክሱም ጽዮን ተራእየ። እቶም እስራኤላውያን ከኣ ነጋሪት እንዳጎሰሙ፤ መለኀት እንዳነፍሑ፤ መዝሙር ምስጋና ይዝምሩ ነበሩ። ንግስተ ሳባ ኸኣ ስልጣና ንወዳ ኣረከበቶ። ታቦተ ጽዮን ድማ ኣብ ድንኳን ተቐመጠት። ሚኒሊክ ከኣ ታቦተ ጽዮን ኣብዝዓረፈትሉ ቦታ ናይ ኽብሪ ሓለውቲ ከምዚቕመጡ ገበረ። ካህን ኣዛሪያስ ድማ ኣብ መደባይ ዝተባህለ ስፍራ ካብ ዝርከብ መንበሪኡ እንዳተማላለሰ ንታቦት ጽዮን ኬገልግል ተመደበ። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገዳት እስራኤል ዝኸውን መዘከርታ ድማ ኣብ መንጽር ታቦተ ጽዮን ኣብ ዝዓረፈትሉ ስፍራ ዓሰርተው ክልተ ብእምኒ ዝተሰርሑ መናብር ተቐመጡ። እዞም ኣእማን ድማ ክሳብ ሕጂ ኣለዉ። እቶም ምስታቦተ ጽዮን ዝመጹ መኳንንተ እስራኤል ድማ ኣብ ተምቤን ኪቕመጡ ተገብረ። ድኅሪ እዚ ሚኒሊክ ምስቲ ሰሎሞን ኣብ እሩሳሌም ዝሰርሆ ቤትመቕደስ ዝመሳሰል ቤት መቕደስ ኣህነጸ። ንውሽጢ እቲ ቤት መቕደስ ከኣ ብወርቂ ለበጦ፤ ብሉልውን ኣወቀቦ። ካብቲ ኣዕናቚ ዚፍልፍል ዝነበረ ብርሃን ድማ ብለይቲ ነቲ ቤት መቕደስ ከም ጻሓይ የብርሆ ነበረ። እቲ መስዋእቲ ኦሪት ዝፍጸመሉ ዝነበረ ጠረጴዛ ድማ ሕጂውን ካብቲ ጥንታዊ ቤት መቕደስ ንሸነኽ ምዕራብ ምርኣይ ይከኣል።

ንጉስ ሚኒሊክ ምስ ሕዝቢ ደቡብ ኢትዮጵያ ማለት ሽዋ፤አንኮበር፤ዝዋይ ሓዲያን ኑቢያን ኣብዝተዋግአሉ እዋን ብኃይሊ ታቦተ ጽዮን ይስዕሮም ነበረ።

****ጳጳስ ዘአክሱም****

ሓንቲ ናይ ሶሪየ መርከብ ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢላ ትሓልፍ ነበረት። ሃንደበት ግና ባሕረኛታት ኣክሱም ሓደጋ ወደቕዋ እሞ ሓደ ፍሬምናጦስ ዝተባህለ ኦርቶዶክስ ዝሃይማኖቱ ሶሪያዊ በቶም ሰራዊት ተታሒዙ ንከተማ ኣክሱም መጸ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ኢዛናን ሳይዛናን (ኣብራሃ ወኣጽብሃ) ዝተባህሉ ክልተ ማናቱ ኣብ ኣኽሱም ነጊሶም ነበሩ። ሸዑ ንፍሬምናጦስ ሒዞም ናብ ንጉስ ኣቕረብዎ እቲ ንጉስ ኢዛና ድማ መዝሙረ ዳዊት የንብብ ነበረ። ሽዑ እቲ ሶሪያዊ ኣብ ጎኒ ንጉስ ኣክሱም ምምባር ጀመረ። ናይታ ሃገር ባህልን ቋንቋን ድማ ፈለጠ። ንንጉስ ኢዛናን ሳይዛናን ድማ ክርስትና ሰበኸቦም። ኩሉ ሕግታትኩም ምስ ክርስቲያን ይማሳሰል እዩ እንተኾነ ግና ጥምቀት ብልኩምን ኢሉ ብዛዕባ ጥምበትን ኢየሱስ ክርስቶስን ሰበኾም እቶም ክልተ ማናቱ ነገስታት ድማ ብኢሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ተጠመቑ። ሽዑ መራሒ ኃይማኖት የድልየና እዩ እሞ ጳጳስ ኪመጸልና ግበር ኢሉ ብዙኅ ገጸበረከት ሂቡ ንፍሬምናጦስ ናብ አሌክሳንድሪያ ግብጺ ሰደዶ። ፍሬምናጦስ ከኣ ኣብ ግብጺ ከይዱ ነቲ ሊቀ ጳጳስ ናይ ግብጺ ብዛዕባ ኩሉ ነገር ኣዘንተወሉ ቃል ኣምላኽ ዝተጸምአ ሕዝቢ ምዃኑን እቶም ነገስታት ከምዝተጠመቑን ኣበሰሮ። ሕጂ ግና መራሒ ሃይማኖት ጳጳስ ክትሸመሎም ናባኻ ሰዲዶምኒ ኢሉ ነቲ ገጸ በረኸት ኣወፈየሉ። እቲ ሊቀ ጳጳስ ከኣ ኣዚዩ ተሓጎሰ ኮይኑ ግና ንስኻ ቋንቋን ባህልን ናይቲ ሕዝብ ስለትፈልጥ ጳጳስ ኩነሎም ኢሉ ማዕርግ ጵጵስና ሂቡ ንኣክሱም ኣፋነዎ። ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ሰላማ ቀዳማይ ሊቀ ጳጰስ ኣክሱም ኮይኖም ድማ ተመልሰ። ንኣቡነ ሰላማ እቲ ንዘመናት እምነት ኣይሁድ ዘምልኽ ዝነበረ ሕዝቢ አክሱም/ትግራይ ብሓንሳእ ክርስትና ክቕበል ምግባር ቀሊል ኣይነበረን። ስለዚ ጥበብ ብዝተመልኦ መንገዲ ታቦተ ሕጉ ከይገደፈ ጥምቀተ ክርስትና ተቐቢሉ ብወንጌል ከምዝኣምን ብምግባር ንክርስትና ዓቢይ ነገር ኣበርኪቶም ኃሊፎም እዮም። ሽሕ እኳ እምመነት ኣይሁድ ዝስዕቡ ሕዝቢ ኣብ ምዕራብ ትግራይን ሰሜን ጎንደርን ሕጂውን ብዙኃት እንተሃለዉ እምነት ክርስትና ግና ዓቢይ ምዕባለ እዩ ኣርእዩ። ድኅሪ እዚ ኢዛናን ሳይዛናን ክርስትና ምስ ተጠመቑ ኣብራሃ ወአጽበሃ ተባሂሎም። ኣብራሃ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ኣውራጃ ሓማሴን ጀሚሩ ንሙሉእ ትግራይ ሃይማኖት ክርስትና ብምስፍሕፋሕ ኪገዝእ እንከሎ ኣጽብሃ ኸኣ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ክርስትና እንዳስፋሕፍሐን እንዳሰበኸን ይገዝእ ነበረ።

ብምዃኑውን ኣክሱማዊ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድጉዓኡ “ንሳለማ ለመድኃኒትነ በትስፍሕት ተቀበልዋ ለታቦት እስመ ዋካ ይእቲ ለብርሃን” ማለት “እታ ምኽንያት ድኅነትና ዝኾነት ታቦተ ጽዮን ብደስታ ንቀበላ፧ ንሳለማ ኸኣ ንሳ ድምቕቲ ብርሃን እያ እሞ”። “ወአንቲኒ ታቦት እም ኀበኒ መጻኪ ወኀበኒ ተሐውሪ መድኃኒተ ኩኒ ታቦተ ሐጉ ለንጉስ ዓብይ ” ማለት “ኣቲ ታቦተ ጽዮን ካብቲ ዝመጻእክሉ ኮነ ናብቲ እትኀድሉ ኩሉ መድኃኒት ኩኒ ናይቲ ዓቢ ንጉስ ማኅደር ሕጉ ኢኺ እሞ” ኢሉ ብዛዕባ ታቦተ ጽዮን ዘመረ። ኣብ ገድለ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን፤ ኣብ ገድለ ኣብ ገድለ ኣብርሃ ወአጽብሃ፤ነገስታት ኣክሱም ኢትዮጵያ፤ኣብ ገድለ ኣቡነ ሊባኖስ፤ ኣብ ገድለ ማኅበረ ጻድቃን፤ ኣብ ገድለ ተስዓቱ(ትሽዓተ) ቅዱሳን፤ ኣብ ገድለ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት፤ ኣብ ገድለ ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ፤ኣብ ገድለ መድኃኒነ እግዚእ ዘደብረ በንኮን፤ ካልኦትን ናይ ብራና መጻሕፍቲ ኩሉ ብዛዕባ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ተጻሒፉ እዩ። ካብ ሞንጎ እዞም ቅዱሳን ድማ ኣባ ሊቃኖስን ኣባ መድኃኒነ እግዚእን ዓጠንቲ ማዕጠንት ታቦተ ጽዮን ነበሩ። ብፍላይ ከኣ ካብቶም ትሽዓተ ቅዱሳን ሓደ ዝኾኑ ኣባ ሊቃኖስ ኣብ መቕደስ ታቦተ አክሱም ጽዮን ጸሎት ከብጽሑ ጸኒሖም ክወጹ እንከለዉ እቶም ዓሰርተ ኣጻብዕ ናይ ኢዶም ከም ሽግ ኣብሪሆም እዮም።

ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ሕዝቢ ኣክሱም ትግራይ ብእምነት ኣይሁድ የምልኽ ነበረ። እቲ ምታይሲ ብጀካ እቲ ነባር ዓሌት ኩናማ እቲ ካልእ ካብ ደቡብ ዓረብን ዝበዝኅ ድማ ካብ እስራኤል ዝመጸ ብምምባሩ መንግስታዊ ሃይማኖት ኣክሱም ክሳብ 300 ዓመተ ዓለም እምነት ኣይሁድ ነበረ። ደኃር ግን እቶም ነገስታት እምነት ክርስትና ስለዝተቐበሉ ክርስትና መንግስታዊ ሃይማኖት ኮነ። ኃያሎ ካብቲ ሕዝቢ ኸኣ ክርስትና ተቐበሉ። እቲ ኣብ ኣኽሱም ዘሎ መንግስቲ ግና ነቶም እምነት ክርስትና ዘይተቐበሉ ኣይሁዳዊያን ተጋሩ ዓቢ ጸቕጢ ይገብረሎም ነበረ። በዚ ምኽንያት ከኣ ብዙኃት ኣይሁዳዊያን ተጋሩ ካብቲ ማእከላዊ መንግስቲ ዝቕመጠሉ ከተማ ጽዮን ወጺኦም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣስፋሕፊሖም ተቐመጡ። ኣብቲ መንግስቲ ኣክሱም ድማ ቂምታ ቋጺሮም ነበሩ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ መበል ታሽዓይ ክፍለ ዘመን 845 ዓ.ም ዮዲት ጁዲት ዝተባህለት ሓንቲ ናይ ምዕራብ ትግራይ ኣይሁዳዊት ትመርሖም ሸፋቱ ካብቲ ክርስቲያናዊ ማእከላዊ መንግስቲ ብምዕላዉ ንከተማ ጽዮንን ኣብያተ ክርስቲያናትን ንምድምሳስ ኮነ ኢላ ተንቀሳቐሰት። ኣብቲ ጊዜ እቲ ንጉስ ኣክሱም ዝነበረ -ሃጼ ኣምበሳ ውድም- ንመጥቃዕታ ዮዲት ብዘይ ምጽዋሩ ንታቦተ ጽዮንን ካህናተ ደብተራን ሒዙ ንደቡብ ገጽ ከንሳሕብ ግድን ኮኖ። ዮዲት ጁዲት ከኣ ንከተማ ጽዮን ኣትያ ነቶም ኣዝዮም ብዘስደምም ጥበብ ዝተሃንጹ ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣብያተ መንግስትነ ከምኡ ኸኣ ብዙኃት ሓወልቲታት ኣዕነወትን ሰባበረትን። ብዙኃት ቅዱሳት መጻሕፍትን ንዋያተ ቅዱሳትን ከኣ ዘመተት። ኮታስ ንከተማ ጽዮን ብምልእታ ኣባደመታ። ዮዲት ጉዲት ነዚ ኹሉ ድኅሪ ምግባር እቲ ንጉስ ንታቦተ ጽዮን ሒዙ ኣብ ሽዋ መርሐ ቤቴ ከምዘሎ ምስ ሰምዔት ነቲ ንጉስ ክትወግእ ጉዕዞኣ ቀጸለት እሞ ንሽዋ ኣተወት። ኣብዚ ጊዜ እዚ እቲ ንጉስ ነቶም ካህናተ ደብተራ ንታቦተ ጽዮና ናብ ቃላይ ዝዋይ ሒዞማ ክኸዱን ኣብኡ ክጸንሕዎን ኣዘዘ። ድኅሪ እዚ ኸኣ እቲ ንጉስ ነይቲ ካባቢ ሕዝብን ሰራዊቱን ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ንዮዲት ብምስዓር ተስፋ ቆሪጻ ንድኅሪት ክትምለስ ገበራ። ታቦተ ጽዮን ድማ ዮዲት ጁዲት ክሳብ ትመውት ኣብ ቃላይ ዝዋይ ኣብ ትርከብ እምባ ወይዘሮ ወይ ከኣ እምባ ደብረ ጽዮን ንኣስታት ኣርብዓ ዓመታት ጸንሐት። ዮዲት ጁዲት ድማ ድኅሪ ናይ አርባዓ ዓመታት ንግስና ሞተት። ካብ ከተማ ጽዮን ወጻኢ ኣብዘሎ ከተማ ድማ ተቐብረት። ኣብ ኢትዮጵያ ንዘመናት ኣክሱም ጽዮን ማርያም ምንጪ ክህነትን መንግስታዊ ስልጣንን እያ። ኣብ ኣክሱምውን ኣብ ስልጣን ዝቕመጥን ቅብኣ መንግስቲ ዝቕባእን ካብ ትግራይ ሰሎሞናዊ ዓሌት ዝኾነ እዩ። ኣብ መበል (9)ታሽዓይ ክፍለ ዘመን ማለትውን ብ833 ዓ.ም ብዛዕባ ታቦተ ጽዮንን አይሁዳዊያን ተጋሩን ዝጸሓፈ ኣልዳድ ሓዳኒ ኣብቲ ጊዜ እቲ ከም ሑጻባሕሪ ዝምብዝሖም እስራኤላውያን ኣብ ኣክሱም ትግራይ ከምዝነበሩ ገሊጹ እዩ።

”እትዮጵያ ታበጽሕ እደዊሃ ኀበ እግዚአብሔር” ኢትዮጵያ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ትዝርግሕ እያ። መዝ68፡31

ምስ ቀዳማዊ ሚኒሊክ ሓቢሮም ዝመጹ እስራኤላውያን ፍርቆም ኪኢላ ቤተ መንግስቲ ፤ገሌኦም ናይ ታቦተ ጽዮን ድንኳን ሰፈይትን ተኸልትን፤ከምኡ ኸኣ ኣለምቲ፤ ገሌኦም ከኣ ኣምከኽትን ቀጥቀጥቲ ሓጺንን፤ ገሌኦም ከኣ ቀቅድሚ ታቦተ ጽዮን ጭጉራፍ እናድሃዩ፤ መለኀት እምቢልታ፤ሻምብቆ እንዳነፍሑ፧ ናይ ወርቂ ድባብ ሒዞም ኸቦሮን ነጋሪትንነ እንዳሃረሙ፤መሰንቆን በገናን እንዳተጻወቱ ታቦተ ጽዮን ክትንቀሳቐስ እንከላ ቀቅድሜኣ ዝኸዱ ነበርዎም። እዚኣቶም ኩሎም ልምዶም ሓልዮም ክሳብ ሕጂ ኣብ ዙሪያ ኣክሱም ሰፊሮም ይርከቡ።

*****ናይ ወይዘሮን ናይ ጭዋን ነገዳት*****

ወይዘሮ— ዝበሃል ካብ ዓሌት ሰሎሞን ዝተወልደ ተባዕታይ ወለዶ ኪኀውን እንከሎ ኣብ ኣክሱምን ኣብ ዙሪያኣን በዓል ርስቲ ኮይኑ ተሰሪዑ እዩ። ተግባር ናይዚ ዓሌት እዚ ከኣ ንመንግስቲ ኣኽሱምን ታቦተ ጽዮንን ምሕላው ስለዝኾነ “ሐጹራ ለጽዮን” ማለትዊን ሓላዊ ሓጹር ናይ ጽዮን ይበሃል።

ጭዋ—-ጭዋ ዝብል ቃል “ጼወወ” ማረኸ ካብ ዝብል ግዕዛዊ ቃል ዝተወስደ ጥረ ቓል ምስዝኸውን ”ጼዋ” ወይ ከኣ ጭዋ ማለት ጅግና ማራኺ ማለት እዩ። እዚ ዓሌት እዚ ቅድሚ ነቀዳማዊ ሚኒሊክ ካብ ዝነበሩ ዓሌት ነገስታት ዝተረኽበ ክኸውን እንከሎ ናይቲ መንግስቲ ድማ ቀንዲ ተዋጋኢ ዝነበረ ነገድ እዩ። እዚ ነገድ እዚ ምስ ነገድ ወይዘሮ ብመውስቦ ዝተኣሳሰረ እዩ። እዞም ነገድ እዚኦም ኣብታ ሃገር ወሳኒ ስልጣን ዝነበሮም እዮም። እቶም ካህናተ ደብተራውን ከምኡ እምበኣር እቶም ምስ ቀዳማዊ ሚኒሊክ ዝመጹ እስራኤላውያን ምስቲ ነባር ማሕበረሰብ ተዋሂዶም እዮም። ሕዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ/ትግራይ ድማ ሓረግ እስራኤል ዝኾነ ወራሲ ሕጊ ኦሪትን ባህልን እዩ። ኢትዮጵያ ጥንቲ ብሕገ ልቢና፤ብሕገ ኦሪት ከምኡ ኸኣ ብሕገ ወንጌል እትምራሕ ዝነበረትን ዘላን ሃገረ እግዚኣብሔር እያ። ናይዚ ኹሉ ሃይማኖታዊ ታሪኻት መበገሲት ከኣ ከተማ ጽዮን(ኣክሱም) እያ። ኣብ ሃገረ ስብከት ዞባ ማእከል ትግራይ ትርከብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣክሱም ጽዮን ማርያም፧ ጥንታዊነታን ታሪኻዊነታን ኪንገር ዝነብር ቅድሚ ልደት ክርስቶስ መስዋእቲ ኦሪት ዝተሰዋኣላ፤ ድኅሪ ልደት ክርስቶስ ከኣ ብመስዋእቲ ሓድሽ ኪዳን ዝኸበረት መንበር ጽላተ ሙሴ እያ።

ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን አሜን። ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለ ወላዲቱ ድንግል ወለ መስቀሉ ክቡር . . . .

Abreham weldesimion

No comments:

Post a Comment

Quick Guide to Every Herb and Spice in the Kitchen – በማድቤት ውስጥ የእያንንዱ ቅጠል እና ቅመም ፈጣን መመርያ

ደረቅ ቅጠሎች እና ቅመሞች አሳፎቲዳ (አሳፌቲዳ) – አሳፎቲዳ በህንድ አመጋገብ ውስጥ የምግብ መፈጨትን ለመርዳት የሚጠቅም ሲሆን የበሰለ ዝንጅብል ሽንኩርት ቃና ያለው ጠንካራ ሽታ አለው፡፡ አቾቴ ማጣበቂያ እና ዱቄት ...