Tuesday, March 19, 2019

ትሽዓተ ቅዱሳን

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን፫

ትሽዓተ ቅዱሳን ናብ አክሱም ዝመፁሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?
መነ መን ይበሃሉ?
ዝመፁዎ ዓዲ ኣበይ እዩ?
ናይ ኣስማቶም ትርጉምኸ እንታይ እዩ?
ካብ አብርሃን አጽበሃን ዕለተ ዕረፍቲ ክሳብ ሃፀይ ካሌብ ናይ 100 ዓመት ፍልልይ ኣሎ። ናይ ቁስጢንጢንያ(ናይ ሎሚ ኤስታምቡል) ግዝኣት ካብ ዓቢይ ቁስጢንጢኖስ ጀምሩ ናይ ክርስትና ሃይማኖት ብጣዕሚ እናተስፋሕፈሐ ኸይዱ ኔይሩ። ነገር ግና ብዘመን መንግስቲ ቴዎዶስዮስ ዓቢይን ተኸተልቱን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሊቃነ ጳጳሳት፣ቀሳውስት ብዝበርከቱ ልክዕ ንነሕድሕድ ምፍልላይ ተኸሲቱ። ዘመነ ንዴት ወስደት ተባህሉ ዝፍለጥ ብእኒ ኔሮን ቄሳር፣ ብእኒ ድዮቅሊጢያኖስ ግዜ ዝነበሮም ሕብረትን ሓድነትን ብ451 ዓ.ም ከባቢ ኣብ ናይ ምቾት እዋን ጠፍአሞ ናይ ቁስጢንጢኒያ ምስ ናይ እስክንድርያ፣ ናይ እስክንድርያ ምስ ናይ ሮማ ቤተክርሰትያን ኣብ ሓድሽ ሓሳብ ተፈላለዩ። ንክርስቶስ ሓደ ኣካል ኽልተ ባህርይ ኣለውዎ ዝብል ሓድሽ ክሕደት መፀ። እዙይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሥልጣን ናይ ዘርኢ ሽግር እውን ተደመሮ። ብዙይን ዝመሳሰሉ ነገራት ብዙሕ ናዕቢን ቅትለታትን ኣስዓበ። ጳጳሳትን ቀሳውስትን ምስ መንግስት ተፀጊዖም እዚ ናይ ክልተ ባህርይ ትምህርቲ ንኹሉ ክበፅሕ ምእንታን ብዝግባእ ፀዓሩ። ይኹን ደኣምበር ኣብ መንጎ እዚ ኹነታት እኒ ዲዮስቆሮስ፣ ያእቆብ ዘእልበረዳኢ ዝኣመሰሉ ናይ ተዋህዶ ኣቦታት ከም ዝተንስኡ ዝፍለጥ እዩ። ስለዚ ሓደ ባህርይ ብተዋህዶ ዝብሉ ዝነበሮም መማረፂ ስደት እዩ ኔይሩ።
ብዙይ ምኽንያት ብ4ይ ሚእቲ ክፍለ ዘመን መወዳእታ ትሽዓተ መነኮሳት ተሰድቶም ናብ ኢትዮጲያ መፂኦም።
በቲ ዘመን ኣብ አክሱም ነግሡ ዝነበረ ንጉሥ ዳግማዊ አልአሜዳ ይበሃል።
እዞም መነኮሳት እዝኦም ናይ ስደቶም ምኽንያት ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ዝተኣወጀ ሓድሽ ትምህርቲ ብዘይምቕባሎም ብቢዛንታይን ነገስታት ስቃይ ስለዝርተዖም እዩ። ቢዛንታይን ዝበሃል ኣብ ቁስጢንጢኒያ ናይ ሓደ መንደር ስም እዩ። ነገስታት ዝዉለዱሉ መንደር ስለዝኾነ ሙሉእ ናይ ንእሽተይ ኤስያ ቢዛንታይን እናተባህለ ይፅዋዕ። ብዙይ ምኽንያት ናብ ኢትዮጲያ እንትኣትዉ ንጉስ ተቐቢሉ ብሰላም ንክነብሩ ፈቐደሎም።
ዝዓረፉሉ ድማ ኣብ ኣክሱም ቤተ ቀጢን ኣብ ዝበሃል ቦታ እዩ። ቤተ ቀጢን መዕረፊ ኣጋይሽ ወይ ቤት ትምህርቲ ከምዝነበረ ይእመን።

ናይ ትሽዓተ ቅዱሳን ኣስማት ምስ ትርጉሙን ዝመፁዎ ዓዲን ከም ዝስዕብ እዩ።
✔ አቡነ አረጋዊ ዘሮም ☞አረጋዊ ማለት ዝኣረገ ሽማግለ ማለት እንትኸውን ብዕድመ ንእሽተይ እንትኸውን ከም ፈላጥ ቁምነገር ይሰርሑ ስለዝነበሩ እዩ። ናይ ወለዶም ሽም ገብረ ክርስቶስ እንትኸውን ዘሚካኤል ድማ ኣባ ጳኩሚስ ዘውፁኡሎም ናይ ምንኩስና ሽሞም እዩ።

✔ አቡነ ጰንጠሌዎን ☞ ጰንጠሌዎን ማለት ብጽርእ(ግርክ) ልሳን ይመስል ክዳን(ልብስ) ማለት እዩ። ዓዶም ሮም እዩ።

✔ አቡነ ይምአታ ☞ ይምአታ ማለት ለይቲ ዝመፅአ ማለት እንትኸውን ካብ ትሽዓተ ቅዱሳን ድሕሮም ኣብ መወዳእታ ስለዝመፁ ዝተውሃቦም ስም እዩ። ዓዶም ቆስያ ይበሃል።

✔ አቡነ ገሪማ ☞ ገሪማ ማለት ግሩም ዝኾነ ዘግርም ትምህርቲን ስራሕን ዝሰርሕ ማለት እዩ።
ዓዶም ሮም እዩ።

✔ አቡነ ፅህማ ☞ ፅህማ ማለት ጨሓም ማለት እዩ።
ዓዶም ድማ አንጾኪያ እዩ።

✔ አቡነ አፍፄ ☞ አፈ ዕፄ አፈ ንጉሥ ማለት እዩ። ዓዶም እስያ እዩ።

✔ አቡነ ሊቃኖስ ☞ ሊቃኖስ ማለት ናይ ሶርያ ቋንቋ ይመስል። ሊቅ ብጣዕሚ ዝተምሃረ ማለት እዩ። ሊቀ ሊቃውንት ከም ማለት።
ዓዶም ከዓ ቁስጢንጢንያ እዩ።

✔ አቡነ አሌፍ ☞ አሌፍ ማለት ብዕብራይስጥ ፊደል ቀዳማይ መጀመርታ ዝተገነየ(ዝመፀ) ማለት እዩ። ዓዶም ድማ ቄሳርያ እዩ።

✔ አቡነ ጉባ ☞ ጉባ ማለት እምባ ዝኣክል ዓቢይ ግርማኡ ዘፍርሕ ማለት እዩ። ዓዶም ከዓ ኪልቅያ እዩ።

✞ ናይዞም ትሽዓተ ቅዱሳን ገዳማት ትሽዓትኦም ኣብ ክልል ትግራይ እዮም ዝርከቡ። ካብዚኦም ሓደ ኣብ ከባቢ ሓውዘን ገርዓልታ ዝርከብ ኣብ ምስሊ እትሪእዩዎ ናይ አቡነ ይምአታ ገዳም እዩ።
ኣምላክ ናብዚ ቅዱስ ቦታ ንምርጋፅ የብቅዐና

ናይ ተስዓቱ ቅዱሳን ኣማላዲነትን በረከቶምን ኣይፈለየና

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

No comments:

Post a Comment

Quick Guide to Every Herb and Spice in the Kitchen – በማድቤት ውስጥ የእያንንዱ ቅጠል እና ቅመም ፈጣን መመርያ

ደረቅ ቅጠሎች እና ቅመሞች አሳፎቲዳ (አሳፌቲዳ) – አሳፎቲዳ በህንድ አመጋገብ ውስጥ የምግብ መፈጨትን ለመርዳት የሚጠቅም ሲሆን የበሰለ ዝንጅብል ሽንኩርት ቃና ያለው ጠንካራ ሽታ አለው፡፡ አቾቴ ማጣበቂያ እና ዱቄት ...