Tuesday, March 19, 2019

ትግራይ

ትግራይ (ክልል ትግራይ) ብኣንፈት ሰሜን ኢትዮጵያ እትርከብ ሓንቲ ካብተን 9 ክልላት ኢትዮጰያ እያ። ምድረፀፍሓዊ መራኽቦ ትግራይ ብደቡብ ጫፍ ካብ 120 15’ ከሳብ ሰሜን ጫፍ 140 57’ ሰሜን ይበፅሕ፤ ከምኡ’ውን ብምዕራብ ጫፍ ካብ 36027’ ክሳብ 39059’ ምብራቕ ዝበፅሕ ኮይኑ ብኣነፈት ሰሜን ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ኤርትራ፣ ብምዕራብ ምስ ሃገረ ሱዳን፣ ብምብራቕ ምስ ክልል ዓፋር ከምኡውን ብደቡብን ደቡብ ምዕራብን ምስ ክልል ኣምሓራ ትዋሰን፡፡ ግምታዊ ስፍሓት መሬት ትግራይ 54,593 ትርብዒት ኪ.ሜ. እንትኾን፤ ልዕሊ 6.3 ሚልዮን ህዝቢ ይነብረላ ተባሂሉ ይግመት። ትግራይ ኣብ 7ተ ምምሕዳራዊ ዞባታት (ሓደ ዞባ ከተማ ምምሕዳር)፣ 34 ወረዳታት ገፀርን 12 ወረዳታት ከተማን ምምሕዳራዊ ብርክታት ዝተኸፋፈለት እንትትኾን ኣብ ውሽጣ 767 ጣብያታት ይርከባ፡፡

መረዳእታት ታሪክን ኳዕቲ ኣርኪኦሎጅን ከምዝሕብርዎ ትግራይ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንቶም ናይ መጀመሪያ 1100 ዓመታት ብመሪሕነት ደረጃ መበቆል ጥንታዊ ስልጣነ ኢትዮጵያ ዝኾነት ክልል እያ፡፡ ቐፂሉ ድማ  ምስ ካልኦት ከባቢታት በቢተራ ኣካል መሪሕነትን ተመራሓይነትን እናሓዘት ብሓፈሽኡ ንልዕሊ 3000 ዓመታት ዘየቋረፀ ሃፍቲ ታሪኽ፣ ቅርስን ጀግንነትን ዘለውዋ ክልል ኢያ። ኣብ ታሪኸ ኢትዮጵያ ዘመነ መሪሕነት እንብሎ ካበ 8ይ ክሳብ 1ይ ክፍለ ዘመን (ዓመተ ዓለም) ስልጣነ ይሓ እንትኾን ዋና ማእኸሎም ይሓ ገይሮም ሰፊሕ ግዝኣት የመሓድሩ ከምዝነበሩ ብኳዕቲ ኣርኪኦሎጂ እናተረጋገፀ መፂኡ ኣሎ፡፡ ስዒቡ ዝመፀ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ  ክፍለ ዘመን (ዓመተ ምህረት) ዝነበረ ድማ ስልጣነ ኣኽሱም’ውን ንዝነበረ መንግስትነት ኣጠናኺሩ፣ ስልጣነ ኣማዕቢሉን ግዝኣቱ ባሕሪ ሰገር ኣጋፊሑን ከምዝቐፀለ ድርሳናት ታሪክ መዝጊበምዎ ዝርከብ ሓቂ’ዩ፡፡ ካብ 8ይ ክሳብ 11 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ስልጣነ ኣኽሱም ማእኸሉ ኣበይ ከምዝነበረ ገና ኣብ መፅናዕቲ ይርከብ። ካብ ቅድሚ ኣክሱም ጀሚሩ ክሳብ ምድኻም ዘበነ ኣኽሱም ኣብ ዝነበሩ እዋናት ዝነበሩ ነገስታትን  ህዝብን ምስ መዓልታዊ ምንቅስቓሳቶም፣ ባህላዊ ፍፃመታቶምን እምነታቶምን ተኣሳሲሩ ካብ ኣብያተ መንግስቲ ክሳብ ኣብያተ መቓብር፣ ይጥቀሙሎም ካብ ዝነበሩ ፊደላት ክሳብ ምስ ካልኦት ሃገራት ብንግዲ ይለዋወጥዎም ዝነበሩ ወይ ድማ ብውህብቶ ዝረኸብዎም ንዋት ወይ መሳርሕታት ገዲፎም ’ዮም፡፡

ትግራይ መእተዊ በሪ ኣብርሃማዊ ሃይማኖታት’ውን እያ፡፡ ኣብ ዓለምና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ኣመንቲ ዝነበርዎምን ዘለውዎምን ሃይማኖታት ኦሪት፣ ክርስትናን እስልምናን ብትግራይ ኣቢሎም እዮም ናብ ኢትዮጵያ ዝተጋፍሑ፡፡ በዞም እምነታት ኣቢሉ ብዝማዕበለ ሃይማኖታዊ  ስርዓት፣ ንዕለታዊ ግልጋሎታቶም ይጥቀሙሎም ብዝነበሩ ሃይማኖታዊ ንዋት ኣቢሎም ንሃይማኖታዊ ስርዓቶም ዘዘኻኽሩ ሓድግታት ገዲፎም እዮም፡፡ ብኢድ ሰብ ተሰሪሖም ኢልካ ንምእማን ዘፀግሙን ግን ድማ ውፅኢት እደ ጥበብ ዝኾኑን ስነ ህንፃታትን ካልኦትን ተጠቀስቲ ህያብ ቀዳሞት ወለዲ እዮም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ምስ ስልጣንኡን ምዕባልኡን ተኣሳሲሩ ሃፍታም ዝኾነ ባህሊ ከጥሪ ዝኸኣለ ህዝቢ’ዩ፡፡ ናይ ባዕሉ ፊደልን ፅሑፍን ኣማዕቢሉ ትውፊታቱ ብፅሑፍን ካልኦት ባህላዊ መግለፅታትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከማሓላልፍ ዝኸኣለ ህዝቢ’ዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ፖለቲካዊ ፣ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ሃይማኖታውን ህይወቱ ዝተኣሳሰሩን ውፅኢት ምዕቡል ስልጣነ ከምዝኾኑ ዝተመስከረሎምን፣ ዝንቀሳቐሱን ዘይንቀሳቐሱን፣ ቁሳውን መንፈሳውን ሃፍትታት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናሰጋገረ መፂኡ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ስጡም ሃገራዊ ሓድነቱ ናብ ድርድር ዘየቕርብ በዓል ነዊሕ ታሪኽ ህዝቢ’ዩ፡፡ ካብ ጥንቲ ሉእላዊነት ሃገሩ ክግህሱ ካብ ውሽጢ ዓፈንቲ ስርዓታት ካብ ደገ ወረርቲ ሓይልታት እንትፍጠሩ ምስ ህዝቢ ሃገሩ ማይን ፀባን ኮይኑ ብምሕባር ኣንፃር ረብሓ ሃገሩ ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣፈሺሉ “በቢ እዋኑ ግዚኡ ዝጠልቦ ቃልሲ ኣካይዱ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ዓለም ዝገዘፈን ዝደመቐን ታሪኽ ክህልዋ ኣኽኢሉ፤ ብሓፈሻ ብዙሓት ፈተንቲን ኣፀገምትን ዝተብሃሉ ኣካል ጉዕዞ ታሪኽ ዝኾኑ ፍፃመታት ሓሊፉ ብትብዓቱን ፅንዓቱን ክብርታቱ ዘረጋገፀ ህዝቢ’ዩ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋናት በቶም ብመሪር ቃልሲ ገጢሞም ዝተሰዓሩን ዝተደርበዩን ናይ ትምክሕቲ ሓይልታትን ተረፍ መረፍ ደርግን ዝተኣወጀሉ ናይ ዓሌት ምፅናት ተፃብኦታትን መሕለኻታትን ከም ቀደሙ ብፍቕርን ዓቕልን እንደመለሰ ይርከብ። መበገሲ እዚ ናይ ፀቢብነትን ዘይስልጡኑትን ኣጉል ኣካይዳ ብዘይገድስ፤ ብሸለልትነትን ድኽመትን ስልጣን መንግስቲነት ዝተቐፃፀሩ ኣካላት ኣብዚ ደረጃ ክበፅሕ ዕድል ፈጢሩሉ ይርከብ። ህዝብን መንግስቲን ዝሃቦም ስልጣን ተጠቒሞም፣ ንናይ ግሎምን ውሕዳት ጉጅለታትን ረብሓን ልዕልነትን ዝህንደዱ መራሕቲ ኢና በሃልቲ ፀረ ሓድነትናን ሰላምናን እንዳኾኑ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ይርከብ። ኣብዚ ጉዳይ ናይ መንግስቲ (ኢህወዴግ) ድኽመት ተጠቒሞም ኣብ ናይ ተንኮልን ሽርሕን ዓለም ዝርከቡ ውሕዳት ኣባላት መንግስቲ ብኣግኡ ህዝቢ እንተዘይነቐሒሎም ካብዚ ዝኸፈአ ከምዘይፍጥር ምንም መረጋገፂ የብልናን። ብፍላይ ድማ ገለ ክፍል ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ቅድሚ ተሓባበርቲ እዚ ታሪኻዊ ስሕተት ምዃኖም፣ ካብቶም ናይ መዋእል መናብርቱ ህዝብታት ክመሃርን ንሰላም ደው ክብልን ይግበኦ። ብፍላይ ካብቲ ጭዋ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ትምህርቲ ክወስድ ይግበኦ።

ቀላል ኣብነት ክልዕል፦ ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 98 ሺሕ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ምስ ስድረኦም ብሰላም እንዳነበሩ ይርከቡ። ብኣንፃሩ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 34 ሽሕ ተጋሩ እንትንብሩ፣ ዛጊድ እቶም ኣብ ባህርዳር፣ ጎንደርን ካባቢኡን ዝነበሩ ብግፍዒ ተሰጉጎም ናብ ትግራይ ተመሊሶም ኣለው። ከም ሃገር እንተሪኢና እቶም ካብ ክልሎም ወፃኢ ዝነበሩ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ዝለዓለ ቑፅሪ ይሕዙ። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ እንከሎ ተጋሩ ኣብ መላእ እዛ ሃገር መሬትን ሃፍቲን ኢትዮጵያ ከም ዝተቐፃፀሩ ተገይሩ ይዝረብን ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝነበሩ፤ ምስቲ ከባቢ ዝወለዱን ዝዘመዱን ተወለድቲ ትግራይ ከም ስደተኛታት ተቆፂሮምን ተባሪሮምን።

ህዝቢ ትግራይ ንሓንቲ ፃት'ውን ትኹን ንሰላምን ሓድነትን ምዝማር ዘይቛርፅ፣ ብስለትን ንቕሓትን ዝውንን ህዝቢ’ዩ። ወትሩ ንሰላም፣ ራህዋ፣ ሓድነት፣ ዕቤት፣...ወዘተ ይዝምር። እዚ ምርዳእ ዝኣብዮም መራሕቲ እንተሃለውዎ እውን እንተኾነ፣ ናይ ሰላም መዝሙሩ ኣይቕይርን። ይኸን'በር ብቐሊሉ ዘይምለሱን ዘይምሃሩን ኣብ ቅድሚኡ ተወዚፎም ጉዕዝኡ ከሰናኽሉ ዝፍትኑ ዝኾኑ ይኹኑ ሓይልታት እንተሃሊዮም ግና እታ መመራፂት ዘቐመጣ በትሩ ክጥቀም ግድን'ዩ።

No comments:

Post a Comment

Quick Guide to Every Herb and Spice in the Kitchen – በማድቤት ውስጥ የእያንንዱ ቅጠል እና ቅመም ፈጣን መመርያ

ደረቅ ቅጠሎች እና ቅመሞች አሳፎቲዳ (አሳፌቲዳ) – አሳፎቲዳ በህንድ አመጋገብ ውስጥ የምግብ መፈጨትን ለመርዳት የሚጠቅም ሲሆን የበሰለ ዝንጅብል ሽንኩርት ቃና ያለው ጠንካራ ሽታ አለው፡፡ አቾቴ ማጣበቂያ እና ዱቄት ...