Wednesday, March 20, 2019

ህዝቢ ትግራይ ልኣላዊነትን ክብሪን ሃገር ኣብ ምውሓስ ...

" ህዝቢ ትግራይ ልኣላዊነትን ክብሪን ሃገር ኣብ ምውሓስ ኮነ እዛ ሃገር ሕዚ ሕዛቶ ዘላ ቅርፂን ክትሕዝ ኣብ ምግባር ዝነበሮ እጃምን ዝተፃወቶ ተራን ኣዝዩ ዓብይ’ዩ። ካብ መፈለምትኡ ንኽብሪ ሃገሩን ውሑስ ሰላም ምርግጋፅን ዝኸፈሎ ዋጋ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ይፍለጥ። ብፍላይ ስርዓት ደርጊ ንምውጋድ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ተጋድሎ ከዓ ሕልፊ መስዋእቲን መድመይቲን ከፊሉ፣ ንኹሎም ህዝቢታት እዛ ሃገር ብማዕረ ከገልግል ዝኽእል ሕገመንግስቲን ፌዴራላዊ ስርዓትን ክህነፅ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ’ዩ። ይኹን’ምበር ሕልፊ ረብሓ ኣይሓተተን’ውን ኣይረኸበን’ውን። እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ፣ ደንበ ምድሕርሓር ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ውድብ ህወሓትን ዝተዋደደ ወፍሪ መፀለምታ ከካይዱ ፀንሖም'ዮም። ከም ህዝቢ ምስልና ከጉድፉ ለይቲን ቀትሪን ርብርብ የካይዱ ኣለው። ስለዚ ኣብዚ ከምዚ ዝመሰለ ኩነታት ንሕና ተጋሩ ከምቲ ልማድና ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ተወድብና በቲ ዝለመድዎ ኣደብ ክሕዙ ክንገብር ይግባእ። ኣብ መስርሕ ዝነበሩ ጉድለታት ብዝምልከት ኣብ ግዝኡ ክንፀባፀበሎም ንኽእል ኢና። ሕዚ ከምታ ልማድና ሓድነትና ኣስጥምና፣ ኣብ ዘዝተዋፈርናሉ መደባት ብዕቱብ ክንነጥፍን ዝጭበጥ ለውጢ ክነመዝግብን ይግባእ። ኩሉ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዘሎ ትግራዋይ ብቕኒት ምርግጋፅ ድሕንነት ህዝቡ ክረባረብ ይግባእ። ድሕሪ ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ሕልፊ መስዋእትነት ዝኸፍለሉ ኩነታት ክህሉ ኣይኽእልን ኣይግባእን’ውን። "

No comments:

Post a Comment

Quick Guide to Every Herb and Spice in the Kitchen – በማድቤት ውስጥ የእያንንዱ ቅጠል እና ቅመም ፈጣን መመርያ

ደረቅ ቅጠሎች እና ቅመሞች አሳፎቲዳ (አሳፌቲዳ) – አሳፎቲዳ በህንድ አመጋገብ ውስጥ የምግብ መፈጨትን ለመርዳት የሚጠቅም ሲሆን የበሰለ ዝንጅብል ሽንኩርት ቃና ያለው ጠንካራ ሽታ አለው፡፡ አቾቴ ማጣበቂያ እና ዱቄት ...