Tuesday, March 19, 2019

“ኣብ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ”(1ጴጥ 1፡17)

በስመኣብ ወወልድ ውመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

“ኣብ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ”(1ጴጥ 1፡17)

ነዚ ጽሑፍ’ዚ ጽሒፉልና ዘሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ምኽንያት ድማ ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ እሞ ኣብ መከራን ሰደትን ዝነበሩ ንዝበጽሖም መከራን ሽግርን ካብ ጎይታ ተማሂሮም ምእንቲ ክጸንዑን ክዕገሱን፡ በዚ መንጽር ድማ ጎይታ ዋጋኦም ከምዘየጥፍኣሎም ንምጽንናዕ እዩ።

     ብሓፈሻ ቅዱስ ጴጥሮስ “ኣብ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ” ክብለና ከሎ ብዛዕባ ኣብ ዓለም ብስጋ እንነብረሉ ዘመን ዝተወሰነ ከም ዝኾነ፡ ብድሕሪኡ ግና ናብ ካልእ ከም እንኸይድ ዘብርህ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ኣብ ዝገሸሉ ግዜ ንመገሻኡ ዘድልዮ ነገር ጠርኒፉ ብምኻድ ነቲ ዝተመደበ ነገር ምስ ፈጸመ ድማ ናብ ዝነበሮ ቦታ ይምለስ። ኣብ መገሻኡ ዘውትር ሓሳቡ ብዛዕባ እቲ ዝተመደበ ስራሕን ብዛዕባ እቲ ቀዋሚ መንበሪኡን እዩ። በዚ ድማ ኩሉ ግዜ ኩሉ ነገራቱ ጥርኑፍ እዩ። በዚ መንጽር እዚ ክርአ ከሎ ድማ ስጋውን መንፈሳውን ግሽነት ኣሎ። ስጋዊ ግሽነት ብዛዕባ ንስጋኻ ከርብሓካ ኢልካ እትገብሮ ካብ ተኣዛዝነት ፈጣሪ ወጻኢ ዝኾነ ሕይወት እዩ። መንፈሳዊ ግሽነት ግና ስጋ ናብ ሓመድ ነፍሲ ድማ ናብ ፈጣሪኣ ከም እትምለስ (መክ 12፡7) ፈሊጥካ ስለነፍስኻ ሓሲብካ ዕላማ ናይ ምፍጣርካ ተረዲእካ ንዘለካ ናይ ዓለም ናብራ ሓጺር ምዃኑ ብዝግባእ ተረዲእካ ንኣምላኽ እናተኣዘዝካ ሕጉ እናሓለኻ መንነትካ ፈሊጥካ እትነብሮ ዋጋ ዘለዎ ግሽነት እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቆሮንቶስ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቱ ከምዚ ይብል “እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፋይ እዩ እሞ እቶም ብናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ዝጥቀሙ ብእኡ ከም ዘይጥቀሙ ኮይኖም ይንበሩ” (1ቆሮ፥7፡29-31) ኢሉና ኣሎ። እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ምስጉን እዩ እንተኾነ ግና ምስጋንኡ ኣብ ባህሪኡ ተወሲኑ ከይተርፍ ብኣርኣይኡን ኣምሳሉን ንሰብ ፈጠሮ። ንሱ ገዛኢ ኣዳም ድማ ተገዛኢ ኮይኑ ክኸይድ ትእዛዝ ሃቦ። ስለዚ ካብዚ እንርድኦ ዕላማ ምፍጣርና ኪንዮ ምስጋና ንእብዚኣብሔር ካልእ ዝኾነ ነገር ኣይተኣዘዝናን። እንተኾነ  ወዲ ሰብ ብዘይምእዛዙ ሞተ፡ እግዚኣብሔር ድማ ንውርደቱ ርእዩ ብዝኣተወሉ ቃል መከራ ተቐቢሉ ኣድሓኖ፣ ፍቕሩ ገለጸሉ። ስለዚ ሕጉ ሒዝና መንግስቱ ክንወርስ መዋርስቱ ክንከውን ሰማያዊ ሕጊ ሰርዓልና። ስለዚ ናብ መንግስቱ ንኽንኣቱ ሕጉ ሓሊና፣ ክንከይድ ይግብኣና እዩ።

    ኣብ ዓለም’ኳ ንነብር እንተለና ክነብረሉ ዝግብኣና ዘመን ተወሲኑልና እዩ። እዚ ድማ ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ 70 ወይ 80 ዓመታት እዩ ድሕሪ’ዚ ሞት ኣሎ። ግዚኡ ሓልዩ ድማ ኩሉ ሰብ ይመውት። ዓለም ንገዛእ ርእሳ ሓላፊት’ያ! እግዚእእብሔር ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ከሕልፋ እዩ። ስለዚ ኣብ ዓለም እኳ ንነብር እንተለና ግና’ኸ ሓላፊት ምኳና ፈሊጥና ኣጋይሽ ምኳና ክንርዳእ ይግብኣና። እዚ ማለት ጋሻ ኮይኑ ስርሑ ወዲኡ ናብቲ ዝተበገሰሉ ቦታ ከምዝምለስ፡ ንሕናውን ኣብዛ ዓለም ክሳብ ዘለና ዓለም ንዓና መገሻ እያ ናብቲ ዝፈጠረና እምላኽ ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ግዜ ክንምለስ ኢና።ነታ እትመጽእ ዓለም ንምውራስ ነዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ኣጋይሽ ምዃና ፈሊጥና ብሓሳብን ብግብርን ካብኣ ምውጻእ የድልየና። ጋሻ ኩሉ ግዜ ነገራቱ ጥርኑፉን ድልውን ከም ዝኾነ ነፍሲ ወከፍና ነፍስና ካብ ስጋና ተፈልያ ናብ ፈጣሪኣ ክሳዕ እትኸይድ ኣጋይሽ ኢና። እዚ ዘረድኣና ከምቲ ጎይታ ዝበሎ “እምበኣርከስ ጎይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ከም ዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ። ግና’ኸ እዚ ድኣ ኣስተውዕሉ በዓል ቤት በየንይቲ ክፍለ ግዜ ናይ ለይቲ ሰራቒ ከም ዝመጽእ እንተዝፈልጥ ምነቕሐ ኔሩ፡ ቤቱ ክትኩዓት ውን ኣይምሓደጋን ኔሩ (ማቴ፥24፡42-44) ዝበሎ ንሕና ውን ጎይታ ብዘይሓሰብናዮ ግዜ ስለዝመጽእ ነፍስና ብዲያብሎስ ከይትምንጠል ሎሚ ኣጋይሽ ምኳና ኣሚና ነፍስና ንጎይታ ከነግዝኣ ይግባእ። ቅዱስ ጳውሎስ ውን ከምዚ ኢሉ ኣሎ “ንኣዛዚኡ ከሕጉስ ዝደሊ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ወተሃደር ብኻልእ መነባብሮ ኣይሕለኽን እዩ። ከምኡ ውን እቲ ኣብ ጸወታ ዝወዳደር ከም ሕጊ ጌሩ እንተዘይተወዳዲሩ ኣኽሊል ዓወት ኣይዓትርን እዩ(2ይጢሞ2፡4) ንሕና ውን ንኣዛዚናን ፈጣሪናን ዝኾነ ኣምላኽና ምእንቲ ከነሕጉስ ብሓጢኣት ናይዛ ዓለም ከይተሓለኽና ከም እሙናት ወተሃደራት ኮይና ኣብ ኣገልግሎትና ጸኒዕና ክነብር ይግብኣና። ከመይ ቅዱስ ጳውሎስ ኣኽሊል ዓወት ዝረኸበ ሰናይ ገድሊ ብምግዳሉ፣ ሃይማኖቱ ብምሕላው፣ ጉይኡ ብሕጊ ተቐዳዲሙ ብምውድኡ እዩ። ንሕና ውን ከምዚ እንተጌርና ግሽነትና ብዓወት ክንዛዝም ኢና። ምኽንያቱ ካብ ኣብዚ ዓለም ምንባር ምስ ክርስቶስ ምንባር ስለዝሕሸና።

  ቅዱስ ጳውሎስ “ካብዚ ዓለም ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ” ከም ዝበሎ እዩ(ፊል1፡23)። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዝበለ መንነት ዓለም ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ እዩ። ስለዚ ኣብ ዓለም እናነበርና ከለና ዓለም ብዝተፈላለየ ማሕለኻታት ሓጢኣት ጌራ ግሽነትና ከተረስዓና፡ ብዝተፈላለዩ ፈተናታት ትፍትነና እያ። እዚ ማለት ንስጋ ብዝምችእ ነገር እዩ። ንሕና ግና መንነታ ፈሊጥና ክንቃለሳ ይግባእ። ቅዱስ ጴጥሮስ “መዓልቲ ጎይታ ከም ሰራቒ ኮይና ክትመጽእ እያ ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ ክብሉ እዮም። ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ክነድድ፣ ምድርን ኩሉ ኣብኣ ዘሎን እውን ክነድድ እዩ። እዚ ኩሉ ከምዚ ኢሉ ዝጠፍእ ካብ ኮነ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ክትኮኑ ይግበኣኩም(2ጴጥ3፣10-14)ኢሉና ኣሎ። እዚ ዘረድኣና ዓለም ፍጥርቲ፣ ሓላፊት ምዃና ንሕና ግና ዘይትሓልፍ ተስፋ ኣላትና። ነዛ ተስፋ እዚኣ ንምርካብ ክንገብሮ ዝግብኣና ከብርሃልና ከሎ ነታ ኣምላኽ ዝመጸላ መዓልቲ እናተጸበኹም ብቕድስና ሕይወት፡ ብፍርሓት እግዚኣብሔር ክትነብሩ እዩ ዝግብእእኩም ኢሉና ኣሎ። ሽዑ ሰማያት ብሓዊ ክጠፍእ እዩ ንሕና ግና ከምቲ ተስፋኡ ጻድቅ ዝነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና። ስለዚ ነዚ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንምውራስ ሎሚ ዓለም ሓላፊት ምኳና ፈሊጥካ ጋሻ ኮይንካ ምንባር የድሊ። ምኽንያቱ ንኣቦና ኣዳም ናብ ሞት ዘብጽሖ ዘይምእዛዝ እዩ። ንዓና ውን እንተዘይተኣዚዝና ዝረኸብና ሞት እዩ።

    ኣቦና ኣብርሃም ንእግዚኣብሔር ብፍጥረቱ ምስ ረኸቦ ውጻእ ተባሂሉ ካብ ዝተኣዘዘሉ ንድሕሪት ኣይበለን። ቤቱን ንብረቱን ኣብ ቅድሚ እቲ ዝጸውዖ ኣምላኽ ዋጋ ከምዘይብሉ ፈሊጡ ኣምላኽ ድማ ካብኡ ዝበልጽ ሰማያዊ ክብሪ ከምዝህቦ ተረዲኡ ብእምነት ወጸ። ኣብ ዓለም ንጣዕሚ ስጋይ ዝኸውን ቤት ክሰርሕ ከይበለ ኣብ ልቡ ብፍጹም እምነት ቤት ኣምላኽ ብምስራሕ ብግብርን ብእምነትን ኣገልገለ።ኣብቲ ተስፋ ዘይነበረሉ ተስፋ ገበረ፡ ጸንዐ፡  ኣብ መንፈሳውን ማሕበራውን ኣገልግሎት ብዝነበሮ ኣገልግሎት ፈተና’ኳ እንተመጾ ጸንዐ በዚ ድማ ንስላሴ ኣብ ቤቱ ተቐበለ።ኣነ ሓምኹሽትን ሓመድን እናበለ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ትሕት ብምባል ክብሪ ሃበ።በዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክብሪ ረኸበ። ከምቲ ኣብ ምድሪ ከሎ ዝገብሮ ዝነበረ ኣገልግሎት ምቕባል ኣጋይሽ ኣብ ሰማይ ድማ ተቐባል ኣጋይሽ ኮነ(ሉቃ 16፡19-20፣ ዘፍ18፡18-21፣ ዘፍ12፡1)። እዚ ኩሉ ኣብርሃም ኣብ ዓለም ጋሻ ምዃኑ ምፍላጡ እዩ።

    ቅዱሳን ውን ዓለም ንዓኣቶም ዘይትበቅዕ ምዃና ስለዝፈለጡ ካብኣ ብሓሳብን ብግብርን ብምውጻእ ንዝወረዶም መግረፍቲ  ብምዕጋስ ብዳርባ እምኒ ዝተቐትሉ፡ ብመጋዝ ዝተተርተሩ፡ ተሰይፎም ዝሞቱ፡ ኣጎዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ዝተኸድኑ፡ ዝሰኣኑ፡ ዝጸበቦም፡  ሓሳረ መከራ ዝጸገቡ ኣብ ምድረበዳን እምባታትን ኣብ በዓትታትን ጎዳጉድን ምድርን ኮለል ዝበሉ ካብ ሓላፊ ጣዕሚ ዓለም ዘይሓልፍ ጣዕሚ መንግስተ ሰማያት ስለዝመረጹ እዩ። ካብ ኣብ ማሕበረ ረሲኣን ኣብ ማሕበረ ቅዱሳን ስለዝመረጹ እዮም።ንሕና ውን ኣብ መሰረት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተሰረትና ደቂ ዓዶም ንቕዱሳን ካብ ኮና ኣሰሮም ክንስዕብ ይግብኣና። ምኽንያቱ ንኣምላኽ ዝርእይዎ ንጹሃት ልቢ እዮም። ገበርቲ ምሕረት፣ስለጽድቂ ዝስደዱ፣ዝጠምዩ፣ዝዓርቁ፣ንመግረፍቲ ኮነ ላግጺ ኣሜን ኢሎም ብምቕባል ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገሱ፣ከም ኣቦና እዮብ እግዚኣብሔር ሃበ እግዚኣብሔር  ወሰደ ኢሎም ዘመስግኑ ከምቲ ካብ ማህጸን ኣደይ ጥርሐይ’የ ዝተወለድኩ ናብ መቓብር ውን ጥርሐይ እየ ዝኸይድ ናብ ዓለም ዘምጻእክዎ የለን  ሒዘዮ ዝኸይድ ውን የለን ዝብል ቃል ተረዲኦም ምምጽኦምን ምኻዶምን ፈሊጦም ሕይወቶም ዘዳለዉ እዮም።ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ነቲ ዝመደቦ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ከይገብሮ ዝኽልክሎ የለን።

      እምበኣር ነፍሲ ወከፍና ከምቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ግብኡ ዘይገበረ መሰሉ ዘይረክብ ንሕና ውን ኣብታ ትመጽእ ሰማያዊት ሃገርና ግቡእና ረኺብና ንምእታው ሰማያዊ ክብሪ፣ ኣኽሊል ዓወት ንምዕታርን ኣብ ጉባኤ ቅዱሳን ንምድማርን እዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ኣብ ሓጺር ናይ ግሽነት ዘመና እንገብሮ ስራሕ ኣብ እዋን ፍርዲ ሚዛና እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንምልከቶ ታሪኽ ናይ ኣቦና ዮሴፍ እዩ እግዚኣብሔር ንዝገለጸሉ ሕልሚ ብምዝራቡ ኣሕዋቱ ኣብ ልዕሊኡ ጽልኢ ኣሕደሩ። መግቢ ሒዝሎም ምስ መጸ ውን ብቕንኢ ኣብ ልዕሊኡ ክፉእ ብምሕሳብ ናብ ግብጻውያን ከምዝሽየጥ ተጌሩ እዩ። ኣምላኽ ግና ዑቑባ ናይ ሰደተኛታት ስለዝኾነ ኣዕቚብዎ። ዋላ’ኳ ኣብዘይዓዱ እንተተሰደደ ኣብዘይ “ዓደይ እየ ዘለኹ” ኢሉ ግና ንኣምላኹ ኣይረሰዐን፣ኣምላኽ ውን ካብኡ ኣይተፈልየን እኳ ድኣ ኣብ ኩላ ግብጺ ልዕል ኣበሎ። በዚ መንጽር እዚ ዮሴፍ ውን ንእምነቱ ዝፈታተን ናይ ዝሙት ፈተና እኳ እንተመጾ ንእግዚኣብሔር ብምፍራሕ ብትዕግስቲ ሓለፎ። ከም ሳዕቤኑ ውን ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኣቱ እኳ እንተተገብረ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሔር ናብ ቅዱሳኑ፡ ኣእዛኑ ድማ ናብ ጸሎቶም ከም ምዃኑ መጠን፡ እግዚኣብሔር ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወጽእ ገበረ። ስለዚ ንሕና ውን ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ወላ ብስጋ ንሰደድ፡ ካብ ኣምላኽ ከይተፈለና ሕጉ እንተሓለና ብስጋን ብነፍስን ከም ዝምግበና፡ ካብ መከራን ሽግርን ከም ዘናግፈና ተረዲእና ንዮሴፍ መሲልና ዘመን ግሽነትና ብሰናይ ክንዛዝሞ ይግብኣና።

       እስራኤል ዘስጋ ኣብ ምድሪ ስደት ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ብዙሕ መከራን ስቓይን ረኺቦም እዮም። ግና’ኸ መከራኦምን ግፍዖምን ኣብ ቅድሚ እግዚእብሔር በጺሑ። ኣምላኽ ድማ ብዝኣተዎ ኪዳን መሰረት፡ ብመሪሕነት ነቢይ ሙሴ ትእምርትን ተኣምራትን ብምግባር ንባሕሪ ኤርትራ ከፊሉ ኣውጽኦም። ሙሴ ድሕሪ ምሟቱ ድማ ብኢያሱ ጌሩ ንዮርዳኖስ ከፊሉ፡ ቀጽሪ እያሪኮ ኣፍሪሱ፡ ናብ ምድሪ ርስቲ ኣእተዎም ዕረፍቲ ድማ ረኸቡ። ንሕና ውን ብሓቂ እስራኤል ዘነፍስ ከም ምኳና መጠን ኣብዛ ዓለም መከራ ኣሎና። ምኽንያቱ ጎይታ ባዕሉ “ኣብ ዓለም ጸበባ ኣለኩም፡ ኣጀኹም ግና ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ”(ዮሓ16፡33) ከም ዝበለና፡ በቲ ንሱ ዝህበና ሓይሊ ንዓለም ከም እንስዕራ የረድኣና። ምኽንያቱ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ ንዓለም ይስዕራ እዩ’ሞ ንሕና ከም እሙናት ውሉድ ኮይና ኣብ ግዜ መከራና ንፈጣሪና ክንእዘዝ ይግበኣና።

ንሱ ድማ ኩሉ ግዜ ብዓይኑ ክጥምተና ብእዝኑ ውን ክሰሞዓና እዩ (1ይጴጥ3፡12)። ንሙሴ ኮነ ንኢያሱ ዝመስሉ ቅዱሳን ጌሩ ካብዛ ባሕሪ ሓጢኣት ዝኾነት ዓለም ኣሳጊሩ፡ ንጎቦ ሓጢኣትና ብንስሓ ኣፍሪሱ ናብታ ተስፋ እንገብረላ መንግስቱ ከእትወና እዩ። ስለዚ ሎሚ ኣብዛ ኣጋይሽ ኮይና እንነብረላ ዘለና ዓለም ናብታ ተስፋ እንገብረላ ክንሰጋገር ግሽነትና ብዝግባእ ክንዛዝሞ ይግብኣና።

      ብሓፈሻ ቅዱስ ጴጥሮስ “ኣብ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሓት ንበሩ” ኢሉ ዝመሃረና፡ ዓለም ከም እትሓልፍ ንሕና ግና ከምዘይንሓልፍ፡ ግናኸ ሎሚ እዚ ኣብ ዓለም እንገብሮ ኣገልግሎት ናብታ ዘይትሓልፍ መንግስቱ ንምእታው ወሳኒ ምዃኑ እዩ ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ኩሉ ግዜ ጎይታ ዝመጸላ መዓልቲ ስለዘይንፈልጣ ድልዋት ክንከውን ይግብኣና። ጎይታ ብቓሉ ከምዚ ክብል ተስፋ ሂቡና ኣሎ። “ ብኣቦ እመኑ፡ ብኣይውን እመኑ ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ። እንተዘይህሉ ግና ምነገርክኹም ኔረ  ሕጂ ግና ስፍራ  ከዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም ኣብቲ ኣነ ዘዳኹዎ ንስኻትኩም ውን ኣብኡ ምእንቲ ክትህልዉ ተመሊሰ ክመጽእ እየ እሞ ምሳይ ክወስደኩም እየ ኢሉና። እዚ ማለት ጎይታ ካብዛ ሓላፊት ዓለም ናብታ ዘይትሓልፍ ዓለም ከም ዝወስደና ዝሃበና እሙን ተስፋ እዩ። ክሳዕ ሽዕኡ ግና ከምቲ ጎይታ ብኽብሪ ክዓርግ ከሎ ንሓዋርያት ዝበሎም “ካብ ሰማይ ሓይሊ ክሳዕ ትለብሱ ካብ ኢየሩሳሌም ከይትወጹ” ዝበሎም ንሕና ውን ተመሊሱ ክሳዕ ዝወስደና ካብታ ምሳሌ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝኾነት ቤተክርስቲያን ክንወጽእ ኣይግብኣናን። ምኽንያቱ ካብ ኢየሩሳሌም ምስ እንወጽእ ሞት ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ሉቃ 10፡30-37 ዘሎ ሕያው ቃል ምስ እንምልከት ጎይታ ብምሳሌ ክምህር ከሎ “ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ክወርድ ከሎ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ ንሳቶም ክኣ ገፈፍዎን ከትከትዎን። ኣይምዉት ኣይስሩር ጌሮም ክኣ ግዲፎምዎ ከዱ። ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ብወዝቢ ክወርድ ከሎ ርእዩ ጎስይዎ ሓለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በጽሐ ርእዩ ጎስይዎ ሓለፈ። ሓደ ሳምራዊ ሓላፊ መገዲ ግና ናብኡ ቀሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ። ዘይትን ወይንን ክኣ ኣፍሰሰሉ። ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑ ውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ። ንጽባሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ ነቲ ሓላዊ ማሕደር ኣጋይሽ ሃቦ እሞ “ተኸናከኖ፡ ንዕኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ክኣ ምስ ተመልስኩ ክፈድየካ እየ በሎ”። ስለዚ ካብዚ እንግንዘቦ ንሕና ውን ካብታ ኣብኣ ክንቀውም ዝተኣዘዘና ቤተክርስቲያን እንተወጺእና ብርጉማት ኣጋንንቲ፡ ብሓጢኣት ከም እንኽትከት እዩ። እንተኾነ ኣብ እንወጸሉ ውን ጌጋና ፈሊጥና  ከምቶም ናይ ኤማሁስ መንገደኛታት እንተድኣ ናብ ቤተክርስቲያን ተመሊስና ክርስቶስ ንስሓና ተቐቢሉ ከይንዓቐ ንናይ ሓጢኣት ቁስልና ብዘይቲ ምሕረቱ ክሰፈልና እዩ። ኣብ መወዳእታ ውን ተቐባል ኣጋይሽ ዝኾነ ኣቦና ኣብርሃም ናብ ዘለዎ ማሕደር ኣጋይሽ ዝኾነት መንግስቱ ክወስደና እዩ። ስለዚ ክሳዕ ሽዕኡ ግና ኣጋይሽ ምዃና ፈሊጥና ትእዛዙ ኣኽቢርና ኣብ ኢየሩሳሌም ክንነብር ይግብኣና።

     ስለዚ ኣብዛ ዘለናያ ዓለም ዕድመና ሓጺር ምዃኑ ፈሊጥና ኣብታ ልቢ ወዲ ሰብ ዘይሓለና ብዓይኒ ሰብ ዘይተራእየት፡ ብእዝኒ ወዲ ሰብ ዘይተሰምዐት ናይ ዘለዓለም ቤት ክንኣቱ ሎሚ ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዕና ግሽነትና ብዝግባኣ ክንፍጽም ይግብኣና (1ይቆሮ 2፡9። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብዚ ኢሉና ዘሎ መልእኽቲ ልዕል ኢልና ምስ እነንብብ ከምዚ ይብል፥ እቲ ንስኻትኩም ኣብ ጸሎት ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ንነፍሲወከፍ ከከም ግብሩ ብዘይ ኣድልዎ ስለዝፈርድ ኣብ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሓት ንበሩ ኢሉና ኣሎ። ካብዚ እንርድኦ ድማ እግዚኣብሔር ቅኑዕ ፈራዲ እዩ ንነፍሲወከፍ ድማ በዚ ኣብ ግሽነት ዘመኑ ዝፍጽሞ ኣገልግሎት ከም ዝፈድዮ እዩ። ባዕሉ ጎይታ ኣብ ማቴ3፡12 “ንሱ ዓውዱ ዘጽርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ እዩ ስርናዩ ናብ ቆፍኡ ክእክብ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ  ከንድዶ እዩ” ኢሉ ኣሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ኣብ 2 ቆሮ 5፡9-10 “ነፍሲወከፍ ሰብ ነቲ ኣብ ምድሪ ከሎ ዝገበሮ ሰናይ ኮነ እከይ  ምእንቲ ክቕበል ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ክቐርብ እዩ”። ኣብ ራእይ 22፡12 ውን “እንሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ ሽዕኡ ንነፍሲወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ዓስቡ ኣብ ኢደይ ኣሎ” ኢሉና ኣሎ። ስለዚ ዓስብና ሽዕኡ እንታይ ከም ዝኽወን ብሎሚ እዩ ዝውሰን። እምበኣር ክሳዕ እታ ፈጣሪ ዝመጸና፡ ብጽድቂ ክነብር ይግብኣና ምኽንያቱ ናይ ዓለም ነገር ሓላፊ ስለዝኾነ ነቲ ዘይሓልፍ ክንርኢ ይግብኣና። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ2ቆሮ4፡17“እዚ ቀልጢፉ ዝሓልፍ ፈኲስ ዝኾነ ጸበባና ክኣ ካብ ኩሉ ዝበልጽ መዘና ዘይብሉ ዘለዓለማዊ ክብሪ የውህበና ኣሎ። እቲ ዝርአ ሓላፊ እዩ እቲ ዘይርአ ግና ዘለዓለማዊ እዩ። ንሕና ከኣ ነቲ ዝረአ ዘይኮነስ ናብቲ ዘይርአ ኢና እንጥምት” ኢሉና ኣሎ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ 2ቆሮ 5፡1-2 “እዛ ድንኳን ዝኾነት ግዝያዊት ሰብነትና ማለት ስጋና እንተፈረሰት  ካብ ኣምላኽ ብኢድ ሰብ ዘይትሃንጸት ሕንጻ ናይ ዘለዓለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈለጥ ኢና። ሰማያዊት ቤትና ክሳዕ እንለብስ ግና ብሃንቀውታ ዓንገረር ንብል ኣለና። እምበኣር ነዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ብዝግባእ መንነታ ፈሊጥና ካብ ኽብሪ ዓለም ኽብሪ ኣምላኽ፡ ካብ ሓላፊ ነገር ዘይሓልፍ፡ ካብ ስጋዊ መንፈሳዊ፡ ካብ መግቢ ስጋ መግቢ ነፍሲ፡ ካብ በረኸተ ስጋ በረኸተ ነፍሲ ክንምነ ይግበኣና። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ገላ 1፡10 “ናይ ሰብ ምስጋና እንተዝደልስ ወይ ድማ ንሰብ ከሕጉስ እንተዝብልስ ባርያ ክርስቶስ ኣይምኾንኩን” ኢሉና ኣሎ። ኣብ ፊል 3፡7-17 እውን “ነቲ ንዓይ ረብሓ ዝነበረ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ከም ክሳራ እቆጽሮ ኣለኹ። ምእንትኡ ክብል ኩሉ እስእን ኣለኹ፡ ንዕኡ ክረክብ ምስኡ ክኸውን ከኣ ከም ጉሓፍ ይቆጽሮ ኣለኹ። ስለዚ ነቲ ድሕረይ ዘሎ እና ረሳዕኩ ናብቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ኣና ተመጣጠርኩ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ሰማይ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ እጎዪ ኣለኹ።

እምበኣር ፍጹማት ዘበልና ኩልና ነዚ ንሕሰብ በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን ንጽናዕ፡ ኣሕዋተየ ንዓይ ምሰሉ ነቶም በቲ ዝሃብናኩም ኣርኣያ  ዝነበሩ ከኣ ኣስተውዕልሎም” ኢሉና ኣሎ። ስለዚ ናትና ዕዮ ነዚ ነገር እዚ ጌርና ንቅዱስ ጳውሎስ መሲልና ምኻድ እዩ። እምበኣር ንሓዋርያት ተኸቲልና፡ ናይ ሰማዕታት ናይ ጻድቃን ሕይወት እናዘከርና ነታ ጎይታ ዝመጸላ መዓልቲ ስለ ዘይንፈልጣ በትሪ መስቀልና ኣብ ኢድና ሒዝና፡ ስጋኡን ደሙ እና ተመግብና ጫማና ወዲና (ወንጌል ተማሂርና) ሕቆና ተዓጢቕና (ንጽህና ሒዝና) ንነፍስና እና መርመርና ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጻእና፡ ዕርፊ መስቀሉ ሒዝና፡ ንድሕሪት ከይጠመትና፡  ንመዓልቲ ጎይታ እናተጸበና፡ ናይዛ ዓለም ግሽነትና ክንፍጽም ኣብ ዘመን ግሽነትና ብፍርሃት ክነብር ይግብኣና።

ስብሓት ለእግዝኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜ!!!

No comments:

Post a Comment

Quick Guide to Every Herb and Spice in the Kitchen – በማድቤት ውስጥ የእያንንዱ ቅጠል እና ቅመም ፈጣን መመርያ

ደረቅ ቅጠሎች እና ቅመሞች አሳፎቲዳ (አሳፌቲዳ) – አሳፎቲዳ በህንድ አመጋገብ ውስጥ የምግብ መፈጨትን ለመርዳት የሚጠቅም ሲሆን የበሰለ ዝንጅብል ሽንኩርት ቃና ያለው ጠንካራ ሽታ አለው፡፡ አቾቴ ማጣበቂያ እና ዱቄት ...