Monday, March 18, 2019

መን እዩ እቲ ዓጋመ?

መን እዩ እቲ ዓጋመ? ዓጋመኸ ጸርፊ ድዩ መንነት? እዚ ዓጋመ ዝብል መጸውዒ፡ ካብዛ ብወረዳ ዓጋመ ትፍለጥ ኣብ ክልል ትግራይ እትርከብ ቦታ ዝነቐለ ሽም እዩ። ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ግን ህዝቢ መረብ ምላሽ ብኣልማማ ንህዝቢ ትግራይ እዩ ዓጋመ ዝብሎ። ከም ኣጸዋዉዓ ህዝቢ መረብ ምላሽ፡ ትግራዋይ ዓጋመ እዩ። ብፍላይ እዚ ንእሽቶ ወለዶ፡ ኣብ መንጎ ዓጋመን ትግራዋይን ፍልልይ ከምዘሎ እውን ኣይፈልጥን እዩ። ብዙሓት ሰባት ምስ ንዕቀትን ጸርፍን ኣጣሚሮም እዮም ዝጥቀሙላ። ስለምንታይ ዓጋመ ምስ ጸርፍን ንዕቀትን ተዛሚዳ፧ ዛጊት መልሲ ኣይረኸብኩላን። ኣነ እዚ ክኸዉን ዝኸኣለ ካብ ድንቊርናን ስእነት ንቕሓትን ዝነቐለ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ምኽንያቱ፡ ወረዳ ዓጋመ ዓብን ዓሙቕን ስልጣነን ታሪኽን ዘሎዎ ወረዳ እዩ። እቶም ፍሉጣት ሹሞኛታት ከም በዓል ራስ ሚኪኤል ስሑልን ስባጋዲስን ካብዚ ወረዳ እዚ እዮም ዝዉለዱ።

ከምኡ’ውን ንሃጸይ ዮሃንስን ንሓዉ ራስ ሓጎስን ዝወለዳ ወይዘሮ ስላስ ካብዚ ወረዳ እዚ እየን። ራስ ሓጎስ ኣባሓጉኡ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንኣብራሃ ዝወለደ ምዃኑ ይንገረሉ። ከምኡ’ውን ኣዲኡ ንደግያት ሃይሉ ናይ ጸዓዘጋ ካብዚ ወረዳ እዚ እየን። ካብዚ ወረዳ እዚ ፈሊሶም ኣብ ዝተፋላለየ ከባቢታት መረብ ምላሽ ዝሰፈሩ ‘ዉን ኣለዉ።

እሞ ከምዚ ዓይነት ስልጣነን ታሪኽን ጅግንነትን ዝሓቘፈ ወረዳ ከመይ ኣቢሉ እዩ ብንዕቀትን ምትሕሓትን ዝርኤ፧! ርግጸኛ ኣይኰንኩን እምበር ገለ ሰባት ከም ዘዕልልዎ፡ ጥልያን ንኢትዮጵያ ንምውራር ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሃንጾ ዝነበረ መሰረተ ልምዓትን ፋብሪካታትን ንኽሰርሑ ካብ ወረዳ ዓጋመ ብዙሓት ሰባት ስራሕ ንኽእልሹ ናብ ኤርትራ ስለመጹ እዩ ይብሉ። ቀስ እንዳበለ ምስ ግዜ ግን፡ ንኹሉ ካብ ትግራይ ዝመጸ ብኣልማማ መጸውዒ እናዀነ ክዝውተር ጅሚሩ ይብሉ።

ኩሉ ጊዜ እቲ ካብ ዓዱ ወጺኡ ስራሕ ከናዲ ዝስደድ ሰብ ከኣ እቲ ድኻን ታሕተዋይ ደርቢ ሕብረተ-ሰብ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ መረብ ምላሽ ካብ ትሑት ደረጃ ንቕሓቱ ዝተላዕለ እቶም ስራሕ ኪደልዩ ናብ ኤርትራ ዝመጹ ዝሓሰሞምን ድኻታትን ክፋል ሕብረተሰብ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ምስልን ኲነታትን ዝዉክል መሲልዎ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ልክዕ ከምዚ ኣብ ሱዳን ኰነ ካልኦት ኢስላማውያን ሃገራት ስራሕ ክትእልሽን ክትሽቀልን ዝራኣዩኻ ደቂ-ሃገር፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ድኻን ድሑርን ገይሮም ዝስእልዎ ማለት እዩ። እዚ’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይመስለንን።

ህዝቢ መረብ ምላሽ ክብል እንከለኹ መቸስ፡ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከምዘለኹ ኣይትዝንግዕዎን ትዀኑ፤ ብዛዕባ እቲ ክሪስትያን ትግሪኛ  እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ምኽንያቱ እዚ ጸገም እዚ ኣብዚ ሕብረተ-ሰብ እዚ ጥራይ ስለዝርከብ እዩ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ኤርትራ፡ ክሪስትያን ትግሪኛ እቶም እንኮ በቲ ጥልያን ዝሰርሖ ዶብ ዝተዓሸዉ  ህዝቢ እዮም። እቲ ጥልያን ዝፈጠሮ ዶብ ኣብ ኣእምሮ ክርስትያን ትግሪኛ እምበር ኣብ ኣእምሮ ካልኦት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ የለን።

ንኣብነት፡ ንህዝቢ ዓፋር፡ ሕዳረብ/በጃ፡ በንዓምርን ኲናማን እንተወሰድና፣ ኣብ ኣእምርኦምን ኣተሓሳስብኦምን እቲ ጥልያን ዝሰርሖ ሓጹር ኣሰር ኣይገደፈን። ኣብ መንጎ  ዓፋር ኤርትራን ዓፋር ኢትዮጵያን፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልትኦም ዘሎ ዶብ ትርጉም የብሉን። ክልትኦም ዓፋር ሓደ ህዝቢ ምዃኖም እዮም ዝኣምኑ። ብሓድነት እውን ይነብሩ። እቲ “ንሕና ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና!” ዝብል ሕማም ነቲ ክርስትያን ትግሪኛ ምስ ለኸፈ ናብ ካልኦት ‘ብሄራት’ ኣይተላብዐን።

እቲ ዝገርመኒ፡ ህዝቢ መረብ ምላሽ እንታይ ኢና ገይርና ፍሉያት ኰይና ኢሎም ንነብሶም ሓቲቶማ ኣይፈልጡን! ሻዕብያ ስለዝበሎም ጥራይ ከምኡ ዓይነት ስምዒት ክሓድሮም ክኢሉ።

ኣየነይቲ ሮኬት ሰሪሕና ኢና እሞ ፍሉያት ዘብለና ትምክሕቲ ከነጥሪ። ካልእ ይትረፍ ኲለን ጐርባብትና ሃገራት ክሳብ ዶክተሬት ዘምህር ዓሰርተታ ዩኒቨርሲታት ክውንና እንከለዋ ንሕና ነታ ሓንቲ ብስርዓት ሃይለስላሴ ዝተሰርሐት ዩኒቨርሲት ‘ውን ህዝቢ ምእንቲ ከይማሃረላ ለኲትናያ ንርከብ። ብኣንጻሩ እታ ድሕርቲ እንቈጽራን እንንዕቃን ትግራይ እኳ 3 ዩኒቨርሲታት ኣለውኣ። ማለት ኣብ ኣኽሱም፡ ዓዲ ግራት፡ መቐለ። እቶም ኣብ መረብ ምላሽ ዕድል ትምህርቲ ዝተነፍጎምን መጻኢ ዕድሎም ዝጸልመተን ደቂ መረብ ምላሽ ከኣ ናብቶም ዝንዕቅዎም ህዝቢ ትግራይ ተዓቚቦም ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት ትግራይ ተቛደስቲ መኣዲ ፍልጠት ኰይኖም ኣለዉ።

እዚ ምስልዩነት ዶ ኣይኰነን፧ ካልእ ውን ካብቶም ኣብ ትግራይ ተዓቚቦም ዘለዉ ደቂ መረብ ምላሽ ክሳብ ሕጂ ምስ ዕሽነቶምን ትምክሕቶምን ዝነብሩ ኣይተሳእኑን። ነቲ ሓብሒብዎም ዘሎ ህዝቢ ንዕቀትን ብድዐን ዘርእይዎ እውን ኣይተሳእኑን። ገሊኦም ከኣ “ዓጋመ” ኢሎም ዝጸርፉ፣ ገሊኦም ከኣ፡ “ንሕና እኳ ሻዕብያ ኢና!” ኢሎም ዝምክሑ ኣለዉ። ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ እዩ። ኣብ ሱዳን ዘሎ ሕስረት ርእናዮ ኣሎና። ብዝሓለፋካዮ “ሓበሽ!” እናተበሃልካ ክትጽረፍ፡ ክትዋርድ፡ ክትዕመጽን ክትዝረፍን ትውዕል።

ስለዚ እቲ እንኮ ሕብረተ-ሰብ ንወገኑ ዝንዕቕን ዘቋናጽብን ዘጓንን እቲ ክርስትያን ትግሪኛ ጥራይ እዩ። ዓፋር ኤርትራ፡ ንዓፋር ኢትዮጵያ ኣይንዕቅዎምን እዮም። እቶም ብሄረ ሕዳረብን ቀቢላ በንዓምር ኤርትራን ’ውን ነቶም ወገኖም ሱዳናውያን ኣይንዕቅዎምን እዮም።

ኣብዞም ሕብረተሰባት እዚኦም ሕዳረብ ሱዳን፡ ሕዳረብ ኤርትራ፣ በንዓምር ሱዳን በንዓምር ኤርትራ ዝበሃል የለን። ከምቲ ቅድሚ መግዛእቲ ምምጽኡ ዝነበርዎ ሓደ ህዝቢ እዮም ዘለዉ። እዞም ሕብረተሰባት እዚኣቶኦም ይትረፍ ክነዓዓኹስ ክሳብ ሕጂ ሓድነቶም ሓልዮም ይኸዱ ኣለዉ።

እቲ መግዛእቲ ብዘይ ድሌቶምን ፍቓዶምን ብሓይሊ ዝሓንጸጾ ዶብ ኣብ ኣእምርኦም የለ ኣብ ባይታ የለ። እዚ ድማ ዘሕብን ጥራይ ዘይኮነስ ዝቕንእ ‘ውን እዩ። ብተማሳሳሊ፡ ኣብ ብሄረ ኲናማ እንተመጻእና’ውን ኲነታቶምን ኣተሓሳስብኦምን ተግባሮቶም ካብቶም ኣቐዲመ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ሕብረተሰብ ዓፋር፣ ሕዳረብን በንዓምርን ኣይፍለን እዩ። ኲናማ ኤርትራ ነቲ ወገኑን ዘርኡን ዝዀነ ኲናማ ኢትዮጵያ ከም ኣካሉን ጸግዑን እዩ ዝርእዮ።

ናይዚ ክሪስትያን ትግሪኛ ግን ገሪሙኒ ኣሎ ኣነ። ገለ ድኣ ናይ ኣእምሮ ሕማም ሓሚሙ ከይህሉ። ነቲ ወገኑ፡ ዘርኡ፡ ጸግዑን ኣካሉን ዝዀነ ህዝቢ ትግራይ ምንዓቕን ምጒናይን ምንፋግን ጐዳኢኡ እምበር ጠቓሚኡ ኣይኮነን። ዝኾነ ጥዑይ ኣእምሮ ከኣ ጐዳኢኡ ነገር ክሰርሕ ብማንም ተኣምር ኣይሕሰብን እዩ። መዓስ እዚ ጥራይ። ሎሚ ዓጋመ ንህዝቢ ትግራይ ጥራይ ዝተደረተ መንነት ኣይኮነን። ብዓይኒ ህዝቢ ሰንሒትን ሓማሴንን፡ ህዝቢ ኣከለጒዛይን ሰራየን ዓጋመ እዮም። ንህዝቢ ደቀምሓረን ከባብኡን፡ ካብ ሰገነይቲ ሒዝካ ኩሉ ንደቡብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዓጋመ እዩ። ህዝቢ ሰገነይትን ከባብኡን ካብ ዓዲ-ቐይሕ ሒዝካ ንደቡብ ንዘለዉ ህዝቢ ‘ዓጋመ’ ይብልዎም። ህዝቢ ዓዲ-ቐይሕን ከባብኡን ከኣ ንበዓል ጸሮናን ሰንዓፈን ስመጃናን ‘ዓጋመ’ ይብልዎም። ብወገን ሰራየ እውን ከምኡ። ንደቡብ ገጽካ እንዳርሓቕካ ምስ ትኸይድ እቲ ህዝቢ ናብ ዓጋመ እዩ ዝልወጥ። በዚ መንጽር እዚ ክርአ ከሎ፡ ዓጋመ ዘይኰኑ ጽሩያት ኤርትራውያን ካብ ክሪስትያን ብሄረ ትግሪኛውያን ተቐማጦ ነባሮ ሰንሒትን ሓማሴንን ጥራይ እዮም።

ሕስብ እሞ ኣብልዎ። ኤርትራ ሓንቲ ደረቕን ንእሽቶን ሃገር እያ። ብጅኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ክርአ እንከሎ፡ እቲ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕዉም ብሄረ ትግሪኛ ኣብ ጽቢብ ጅኦግራፍያዊ ከባቢ፡ ኣብ ከበሳ ተደሪቱ ይርከብ። እቲ ዝበዝሐ ብሄረ ትግሪኛ ኣብ ትግራይ እዩ ዝርከብ። ማእከል ናይ ብሄረ ትግሪኛ ከኣ ትግራይ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ብሄረ ትግሪኛ መቐጸልታን ላጤፋን ናይ ትግራይ ትግሪኛ እዮም። ነዚ ዝኽሕድ እንተልዩ ኣፍልጦ ዝጐደሎ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ማእከል ናይ ብሄረ ትግሪኛ ንፍቶ ንጽላእ ኣኽሱም እያ።

እምበኣር  በቲ ብኹል ኣተሓሳስብኡ ተመሪሑ፡ ህዝቢ ትግሪኛ መረብ ምላሽ፡ ጥልያን ስለዝፈላለየና ጥራይ ንህዝቢ ትግራይ ይንዕቕን የጓንን። ነቶም ሰራየን ኣከለጒዛይን እውን ዓጋመ እዮም ኢልናዮም። ዓጋመ ማለት ከኣ ተጋሩ ማለት ካብ ኮነ። ክልል ትግራይ ክሳብ ሽከትን ጉራዕን በጺሓ ኣላ ማለት እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ትግሪኛ ኣብ ኤርትራ፡ ህዝቢ ሓማሴንን ዓንሰባ ለመጨልን ጥራይ እዮም ማለት እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሰንሒት ብሄረ ትግሪኛ፡ ከተማ ከረን ገዲፍካ ኣብ ወረዳ ዓንሰባ ለመጨሊ ጥራይ እዮም ዝርከቡ። ከምዚ ዓይነት ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኣብዚ ጸቢብ ጅኦግራፍያዊ ከባቢ ዝነብርን ንእሽቶን ህዝብን ክትርኢ ንክትኣምኖ ዘጸግም እዩ።

ኣብዚ ክንግንዘቦ ዝግበኣና፡ እዚ ዓጋመ ዝብል መጸዊዒ ነቶም ተጋሩ ጀበርቲ፡ ንሳሆን ጀበርትን ነበርቲ ኣከለጉዛይን ሰራየን ኣይምልከትን እዩ። ኣስላማይ ጀበርቲ ካብ ትግራይ መጺኡ በቶም ክሪስትያን ትግሪኛ ዓጋመ ተባሂሉ ኣይጽዋዕን፡ ኣይነዓቕን እውን፣ በቶም ኣሕዋቱ ኣስላም ከኣ ይሕብሓብን ይኸበርን።`

ትግሪኛ መረብ ምልሻ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ምስልዩነት ዝነብሩን ተጻረርቲ ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ዝመለለይኦም ህዝቢ ኮይኖም ይርከቡ። በቲ ሓደ ወገን ዓጋመ እንዳበሉ ነቲ ዝዀነ ተኻለኸሊ ዘይብሉ ውጹዕ፡ ትሑት ደረጃ መነባብሮ ዘለዎ ትግራዋይ የዋርዱን የጋፍዑን፤ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቶም ገዛእቶም ተጋሩ ወይ መበቆል ትግራይ ዘልውዎም ሰበስልጣን መንግስት ኤርትራ የምልኹን የድንቑን ይእዘዙን። ንኣብነት ክንደይ ተጋሩ እዮም ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ብትግሪኛ መረብ ምላሽ ተቐቲሎምን ሰንክሎምን ተገፊዖምን እዮም። ብድሕሪ እቲ ኲናት እውን እንተዀነ፡ እቲ ግፍዕን በደልን ኣይቋረጸን። በዓል ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሓጎስ ክሻን ካልኦትን ግን ተጋሩ እንከለዉ ህዝቢ የድንቖምን የኽብሮምን ነበረ። ተጻራሪ ነገር ስለዝዀነ ከኣ ትውልድን ዘርእን ናይዞም ሰባት እዚኣቶኦም ህዝቢ መረብ ምላሽ ዕሽሽ ኢልዎ ክሓልፍ እዩ ዝደሊ። ብፍላይ ድማ ደገፍቲ ህግድፍ፤ እሞ ከኣ እቶም “ዓጋመ፡ ወያነ” እንዳበሉ ዝጸርፉ ደገፍቲ ግደፍ እዮም። እቶም ቀንዲ ገበርትን ሓደግትን ኣብ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ካብቲ ህዝቢ መረብ ምላሽ ዓጋመ እናበለ ዝጽዊዖ ከባቢ ዝመበቆሎም ትግሪኛ እዮም። ኣብነት ንምጥቃስ፥

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ሓጐስ ገብሪሂወት (ክሻ)
የማነ ገብርኣብ
የማነ ገብረመስቀል
ወልዱ ባርያ
ካልኦት ብዙሓት’ዉን ኣለዉ ኣብዚ ኣቐሚጠዮ ዘለኹ ኣስማት ዘይተጠቓለሉ። ብዓብኡ እቲ ንናጽነት ኤርትራ ተቓሊሱ ዝበሃል ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም እውን ትግራዋይ እዩ ነይሩ።

ነቲ መስፈርን መግለጽን ህዝቢ መረብ ምላሽ እንተድኣ ተጠቕምና፡ ኢሳይያስ ዓጋመ እዩ። ዓጋመ እንከሎ ህዝቢ መረብ ምላሽ “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ይብሉ። ንመለስ ዜናዊ ግን፡ ኣዴታት ትግርሪኛ መረብ ምልሽ፡ “መለስ ኣታ ዓጋመ፡ ኣይትረኽባን ኢኻ ባድመ” ኢለን ዶ እደርፋ ኣይነበራን፤ ኣብቲ ግዜ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ። መለስ ዜናዊ ኣዲኡ ጓል ዓዲ ዃላ ምዃና፡ ናይ ኣቡኡ ዘርኢ ውን ካብ ከባቢ ዓዲ ዃላ ምዃኑ እዩ ዝፈለጥ።

ደቀንስትዮ ትግሪኛ መረብ ምላሽ ኣብ ግዜ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ዓውደ-ውግእ ዝነበረ ሰራዊት ዝኸውን መግቢ ኣብ ምድላው ኣብ ዕዮ ተጸሚደናሉ ኣብ ዝነበራ እዋን፡ እታ ኣዘውቲረን ዝደርፍኣ ዝነበራ ደርፊ፡ “መለስ ኣታ ዓጋመ ኣይትረኽባን ኢኻ ባድመ” እያ ነይራ። ነዛ ደርፊ ዶ ንበላ ጸርፊ እንዳደረፋ እየን ጓይላን ዳንኬራን ዝገብራ ነይረን።

ኣቤት ኣብዚ እንሆ ልቦና፡መንእሰያት ኣብ ሓዊ ይጥበሱ ንሳተን ከኣ ኣብ ጓይላን ዳንኬራን። “እንዳ ጐይታይኒ ወዶም መይትዎም፡ ጓል ማኣምን ከኣ ጥራጥ ተራኢዋ” ዝበሃል ከምዚ እዩ። ነዛ ጸርፊ እንዳደረፋ ኣብ ፈንጠዝያ እንከለዋ ከኣ፡ ሻዕብያ ብገዛእ ማዕከን ዜናኡ ገይሩ፡ “ሰራዊት ወያነ ደፊኡና፡ ካብ ባድመ ለቒቕና ወጺእና!” ኢሉ ምስ ኣርድአን፡ እቲ ፈንጠዝያ ብቕጽበት ናብ ኣውያት ቀይረንኦ ነበራ።

ነዚ ኩሉ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ዝፈጠረ ናይ ሰውራ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ሻዕብያ ፈጠራ ታሪኽን ፕሮፖጋንዳን እዩ። ኩሎም ሓበሻ (ትግሪኛን ኣምሓራን) ዘርኢ ኢስራኤልን ንግስቲ ሳባን ኢና፡ ንጉስ ሚነሊክ ቀዳማይ ካብ ንግስቲ ሳባን ንጉስ ሰሎሙንን ዝወልድ ከኣ ጀማሪ ናይቲ ናይ 3000 ዓመት ንግስነት ኣኽሱም መስራቲ እዩ ኢሎም ስለዝኣምኑ፡ እዚ እምነት እዚ ምንጪ ሓድነቶምን ጽንዓቶምን ስለዝኾነ፡ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ንምንጻል ቃልሲ ዝጀመረ ሰውራ ኤርትራ ዓቢ ዕንቅፋት ኮኖ።

ነዚ ዕንቅፋት እዚ ንምእላይ ከኣ፡ ሰውራ ኤርትራ “ታሪኽ 3000 ዓመት ናይ ሓበሻ ታሪኽ ጽዉጽዋይ እዩ” ዝብል ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ብምንዛሕን ምስትምሃርን ምጒጓስን ቀስ ብቐስ ምስ ግዜ ኣብቲ ዳሕረዋይ ወለዶ ኣስረጾ።

                     ዘሎ ናይ ሎሚ ወለዶ ከኣ እዚ ሓሶት እዚ ንኣእምርኡን ኣተሓሳስብኡን በረዞ። እዚ ዘሎ ወለዶ ምስቲ ናይ ኣርበዓታትን ሓሙሳታትትን ክነጻጸር እንከሎ፡ እምበር ዶ እዚ ወሎዶ እዚ ዘርኢ ናይቲ ኣብ ኣርብዓታትን ሓሙሳትታን ዝነበረ ህዝቢ እዩ ዝብል ሕቶታት ዘላዓዕል እዩ። ኣቦታትና፡ ናይ 51 ዓመታት ናይ መግዛእቲ ጥልያን መዋእል ‘ውን እንተኾነ ንኣእምርኦምኒ ኣተሓሳስብኦምኒ ክገዝኦ ኣይከኣለን። ምስ ህዝቢ ትግራይ ይትረፍ ዶስ ምስ ምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓደ ህዝቢ ኢና ኢሎም ብምምጓትን ምቅላስን ንሓድነት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ እዮም።
ዋላ እቲ “ኤርትራ ንኤርትራውያን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ሰልፊ’ውን እንተኾነ፡ ከምቲ በዓል ሻዕብያ ዝጒስጒስዎ ንናጽነት ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ንናጽነት ትግራይ-ትግሪኚ እዩ ዝጽዉዕ ዝነበረ። ኤርትራን ትግራይን ሓቢረን ሓንቲ ሃገር ኮይነን ናጽነት ክወሃበን ይጽዉዕ ነበረ። እዚ ወሰኑ /ዶቡ/ ብወገን ደቡብ ኣለወሃ ምላሽ ይኸውን ማለት እዩ። ወልደኣብ ወልደማርያም ዉን እንተኾነ፡ ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ግን ብቕድመ-ኲነት ይብል ነበረ። ማለት ኣብ ትግራይን ኤርትራን ናይ ምምሕዳርን ቤት ፍርድን ቋንቋ ትግሪኛ ክኸዉን እዩ ዝጠልብ ነበረ።

ስለዚ፡ ኣቱም ክርስትያን ህዝቢ ትግሪኛ፡ ብሓቂ እንትድኣ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ሓደ ህዝቢ ኣይኰንናን፤ ከምኡ እውን ሓደ ታሪኽን ስልጣነን የብልናን ትብሉ እንተድኣ ሃሊኹም፥ ኩሉ ኣብ መረብ ምላሽ ዘሎ ታሪኻዊ ሓድግታትን ቅርስታትን ናይ ንግስነት ኣኽሱም እዩ እሞ፡ ኣብ ዘይርስትኹም ኣለኹም። ቅርስታት በለው -ከለው፡ መጠራ፡ ቆሓይቶን፡ ከምኡ’ውን ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስን ካልኦትን ኩለን ሓድግታት ኣኽሱም እዮም። እንተድኣ እዚ ዘይናትና ኮይኑ፡ መሬቶም ሓዲግናሎም ንኺድ ናብ ቦታና – ንሕና ወረርቲ ኢና ማለት እዩ። ምኽንያቱ ንሕና ኣካል እዚ ክሳብ ሕጂ ሓድጉ ዘይበረሰ ስልጣነ እዚ እንተዘይዀይና፡ ኣበይ ድኣ ነይርና? መዓስ ከ ንኣኽሱማውያን ወሪርና ነዚ ቦታ’ዚ ተቛጻጸርናዮ? እዚ መልሲ ክዉሃቦ ዘለዎ ሕቶ እዩ ብህዝቢ መረብ ምላሽ። ከምኡ’ውን ንሕና ምስዚ ብስልጣንኡ መዘና በዓል ባዘንታይን ፐርሽያን ዝስራዕ ስልጣነን ንግስነትን ኣኽሱም እንተዘይኮይና፡ እንታይ ታሪኽ ድኣ ኣሎና? ኣይነበርናን እውን ማለት እዩ። ነስተብህል እሞ፥

ፊደላት ግእዝ ዘመሃዘ ንግስነት ኣኽሱም እዩ፡
ኣዱሊስ ወደብ ንግሰነት ኣኽሱም እያ። ንሕና ካልእ ነይራትና ማለት ድዩ?
ንብዓል የመንን ስዑዲ ዓረብ ዝገዝአ ንግስነት እኽሱም እዩ፡
ክርስትና ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘተኣታተወ ንግስነት ኣኽሱም እዩ፡
ንኣስላም ሰዓብቲ መሓመድ ዘዕቆበ ንግስነት ኣኽሱም እዩ፡
ተኣምር ሓወልታት ኣኽሱም ዝሰርሐ ንግስነት ኣኽሱም እዩ፡
ንቱርካውያንን ግራኝን ዝሰዓረ ንግስነት ኣኽሱም እዩ፡
ንግብጻውያን ኣብ ጉራዕን ጒንደትን ዝሰዓረ ንግስነት እኽሱም እዩ፡
ንጥልያን ኣብ ደጎሊ ዝሰዓረ ንግስነት ኣኽሱም እዩ፡
ንጣልያን ኣብ ዓድዋ ዝሰዓረ ንግስነት ኣኽሱም እዩ፡
እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣይታሪኽናን እዩ ትብሉ እንተድኣ ኴንኩም፡ ኣብቲ ናይ ሻዕብያ ናይ ተገዚእና ታሪኽ ኢኹም ትነብሩ ዘለኹም ማለት እዩ። ናይ ሻዕብያ ታሪኽ፡ ህላወና ምስ ሰውራ ኤርትራ ከምዝጀመረ ገይሩ እዩ ዘዘንቱ። ኤርትራ ብቱርኲ ን300 ዓመት፡ ብግብጺ ን30 ዓመት፡ ብጥልያን ን51 ዓመት፡ ብእንግሊዝ ን12 ዓመት፡ ብኢትዮጵያ ን39 ዓመት ተገዚኣ ይብል። ብጠቕላላ 432 ዓመታት ናይ መግዛእቲ መዋእል?

ነቲ ዘሕብን ታሪኽ ገዲፍካስ ንናይ ተገዚእና ታሪኽ። እሞ ንሕና ን432 ዓመታት ክንግዛእ ከሎና ንሳቶም ግን ነንዝመጾም ገዛኢ ካባ ሕፍረት ኣሰኪሞም ዝመልስዎ እንተ-ነይሮም፡ ንሳቶም እዮም ሕቡናትን ጅጋኑን። ናቶም እዩ ናይ ጅግንነት ታሪኽ። ናትና ግን ናይ ተገዚአ ታሪኽ እዩ። ስለዚ ንሕና ዘይኮና ክንዕቈም ዝግባኣና ንሶም እዮም ክንዕቁና ዝግብኦም።

ሕሰቡሉ ነዚ ዘሕብን ታሪኽ ጠንጢንኩም ናይ ተገዛእቲ ኢና ነይርና ታሪኽ ኣይትቀበሉ። ብሓቂ ነዚ ትብልዎ ዘለኹም ትኣምንሉ እንተዀንኩም፡ ነቲ መንጥልኩሞም ዘለኹም መሬቶም ሕደግሎም። ነታ ጥንታዊት ወደቦም፡ ወደብ ኣዱሊስ ምለስሎም፣ ነተን ደሞም ዘፍሰሱለን፡ ዓጽሞም ዝኸስከሱለን ደጎሊ፡ ጒራዕ፡ ጒንደት ግደፍሎም፡ ነተን ታሪኻውያን መሬቶም ቆሓይቶ፡ መጠራ፡ በለው-ከለው ‘ውን ሕደግሎም።
*
ብሙሴ ሓድጉ

No comments:

Post a Comment

Quick Guide to Every Herb and Spice in the Kitchen – በማድቤት ውስጥ የእያንንዱ ቅጠል እና ቅመም ፈጣን መመርያ

ደረቅ ቅጠሎች እና ቅመሞች አሳፎቲዳ (አሳፌቲዳ) – አሳፎቲዳ በህንድ አመጋገብ ውስጥ የምግብ መፈጨትን ለመርዳት የሚጠቅም ሲሆን የበሰለ ዝንጅብል ሽንኩርት ቃና ያለው ጠንካራ ሽታ አለው፡፡ አቾቴ ማጣበቂያ እና ዱቄት ...