
ትግራዋይነት ኣተሓሳስባ፣ ተግባርን ባህርን እውን እዩ፡፡ ትግራዋይነት ስብእና ሥልጣነ እዩ። ትግራዋይ ናይ ትግራዋይነት መግለፂ ዝኾኑ ፍልስፍናን ክብርታትን (ዕሴታት) ባዕሉ ኮይኑወን ይርከብ። ንኣብነት ሓላፍነት ምውሳድ፣ ብጽፍርኻ ምዕባይ፣ ሰብኣዊነት፣ ምትእምማን (Trust)፣ ሓቀይናነት (Integrity)፣ ምትሕልላይ፣ ሓቦ፣ ዓድኻ ምፍታው፣ ትብዓትን ዓርሰ ምትእምማንን ብተግባር ይገልፀን። ትግራዋይነት ካልኦት መግለጽታት እውን ኣለውዎ። ኣብ ስርዓትን ሕግን ምትእምማን፣ ነዊሕ ኣጠማምታ፣ ስርዓትን ስሩዕነትን (Formal hierarchy) ፣ ንፍትሕን ማዕርነትን መስዋእቲ ምኽፋል፣ ንጸገማት ዘይምብርካኽ፣ ልባምነትን ምዕጋስን፣ ጭቆና ዘይምቕባል ወዘተርፈ ተባሂሉ ክዝርዘር ይከኣል።
ትግራዋይ መንነት ጥሙር ናይ ሓባር መንነት ስለ ዝኮነ ብተናፃፀልቲ መግለፅታት (ከም ቋንቋ፣ መልክኣ ምድሪ፣ ዓልየት፣ ሃይማኖት፣ ባህሊ) ፈላሊኻ ትግራዋይነት እዙይ እዩ ወይ ከምዙይ ጥራሕ እዩ ምባል ስለዘይካኣል ነቲ ዋና ሕመረት ትግራዋይነት ብትኽክል ኣማሊኡ ዝሓዘ እቲ ስርዓተ ክብርታት ተጋሩ ኮይኑ ንረኽቦ። ስለዚ ትግራዋይነት ብቶም ዋና ክብርታት ዝኾኑ ዓርሰ ምርኮሳ፣ ስነ-ልቦናዊ ሓድነት፣ መበቆላዊ ሥልጣነን ሓቋፋይነትን ዝግለፅ እዩ፡፡

No comments:
Post a Comment