Friday, February 21, 2020

ትግራወይነት

ኣምር ትግራወይነት: እምነትን ሓቅን እዩ። ትግራዋይነት ብቐንዱ ምስ ዘርኢን ደምን ዝተተሓሓዘ ናይ ወገን መለለዪ ኣይኮነን። ትግራዋይነት ብቋንቋን ብመልክኣ ምድሪ ጥራሕ ኣይውሰንን። ቋንቋ መንነት ዝግለፀሉ ሓደ መልክዕን ትሕዝቶን ዋላ ይኹን እምበር ናይ ትግራዋይነት ደራቲ ሓፁር አይኮነን። ብስሩ እውን ትግራዋይ ሓደ ናይ ሓባር  ቋንቋ ትግርኛ ዝጥቀም እምበር ትግርኛ ብሕታዊ ቋንቋ ተጋሩ ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ተጋሩ ካብ ትግርኛ ብተወሳኺ ከም ግእዝ፣ ትግረ፣ ኩናማ፣ ሳሆን ካልኦትን ቋንቋታት ስለ ዝውንኑ።

ትግራዋይነት ኣተሓሳስባ፣ ተግባርን ባህርን እውን እዩ፡፡ ትግራዋይነት ስብእና  ሥልጣነ እዩ። ትግራዋይ ናይ ትግራዋይነት መግለፂ ዝኾኑ ፍልስፍናን ክብርታትን (ዕሴታት) ባዕሉ ኮይኑወን ይርከብ። ንኣብነት ሓላፍነት ምውሳድ፣ ብጽፍርኻ ምዕባይ፣ ሰብኣዊነት፣ ምትእምማን (Trust)፣ ሓቀይናነት (Integrity)፣ ምትሕልላይ፣ ሓቦ፣ ዓድኻ ምፍታው፣ ትብዓትን ዓርሰ ምትእምማንን ብተግባር ይገልፀን። ትግራዋይነት ካልኦት መግለጽታት እውን ኣለውዎ። ኣብ ስርዓትን ሕግን ምትእምማን፣ ነዊሕ ኣጠማምታ፣ ስርዓትን ስሩዕነትን (Formal hierarchy) ፣ ንፍትሕን ማዕርነትን መስዋእቲ ምኽፋል፣ ንጸገማት ዘይምብርካኽ፣ ልባምነትን ምዕጋስን፣ ጭቆና ዘይምቕባል ወዘተርፈ ተባሂሉ ክዝርዘር ይከኣል።

ትግራዋይ መንነት ጥሙር ናይ ሓባር መንነት ስለ ዝኮነ ብተናፃፀልቲ መግለፅታት (ከም  ቋንቋ፣ መልክኣ ምድሪ፣ ዓልየት፣ ሃይማኖት፣ ባህሊ) ፈላሊኻ ትግራዋይነት እዙይ እዩ ወይ ከምዙይ ጥራሕ  እዩ ምባል ስለዘይካኣል ነቲ ዋና ሕመረት ትግራዋይነት ብትኽክል  ኣማሊኡ ዝሓዘ እቲ ስርዓተ ክብርታት ተጋሩ ኮይኑ ንረኽቦ። ስለዚ ትግራዋይነት ብቶም ዋና ክብርታት ዝኾኑ ዓርሰ ምርኮሳ፣ ስነ-ልቦናዊ ሓድነት፣ መበቆላዊ ሥልጣነን ሓቋፋይነትን  ዝግለፅ እዩ፡፡

ታሪኽ ትግራዋይ ክብርታቱ እንተኽብር ዝኸበርን ኣብ ብራኸ ሥልጣነ ዝድይብን ምንባሩ: ክብርታቱ ምዕቃብ እንትሳኣኖ ውድቀት ከም ዘተኣናግድ ዘረጋግጽ እዩ። ክብርታትና መሰረታዊ ባእታታት ትግራዋይነት እዮም፡፡ ስለዝኾነ ድማ ክብርታትና ዓቂብና ዳግም ናብ ብራከ ሥልጣነን ምዕባለን ትግራዋይ ንምብሳር ማሕበረሰባዊ ምንቅስቓስ ወሊዕና ምቅላስ ኣድላዪ ይኸውን፡፡

No comments:

Post a Comment

Quick Guide to Every Herb and Spice in the Kitchen – በማድቤት ውስጥ የእያንንዱ ቅጠል እና ቅመም ፈጣን መመርያ

ደረቅ ቅጠሎች እና ቅመሞች አሳፎቲዳ (አሳፌቲዳ) – አሳፎቲዳ በህንድ አመጋገብ ውስጥ የምግብ መፈጨትን ለመርዳት የሚጠቅም ሲሆን የበሰለ ዝንጅብል ሽንኩርት ቃና ያለው ጠንካራ ሽታ አለው፡፡ አቾቴ ማጣበቂያ እና ዱቄት ...